ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ፡፡

 

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ሽመት ዘፅደቐ ብመሰረት ተመራፂ ውድብ ህወሓት ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ገምጋም ዝበፀሖ ውሳነ ምምዕርራይ ሰዒቡ እዩ፡፡

ካብ ህዝብን ውድብን ዝዓቢ ስለ ዘየለ ዝተገበረ ምምዕርራይ ብምሉእ ልቢ ከም ዝቅበልዎ ኣብ ፈፃሚ ስራሕ ክልል ትግራይ ዝተሸጋሸጉ ነበር ኣመራርሓ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝተመደብሉ ቦታ ንረብሓ ህዝቦም ከም ዝቃለሱ ድማ ገሊፆም፡፡ ሓደሽቲ ተሸየምቲ ብምዃኖም ጥንካረ ነባራት ዓቂቦም ንዝበለፀ ረብሓ ህዘቢ ክንስርሕ ኢና ኢሎ፡፡