ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ብእዋኑ እንተዘይተፈቲሖም ሰላሙ ዝተሓለወን በዓል ዋና ጥንኩር ኢኮኖሚ ሃገር ንምህናፅ ዝተጀመረ ስራሕ ውፅኢት ኣይምዝገብን ኢሎም ሚኒስተየር ጉዳያት ኮምኒኬሽን ዶክተር ነገሬ ሌንጮ፡፡

እዚ ዝተገለፀ ኣብ ስርዓት ፌዴራዝም ዘተኮረ ዘተ ኣብ ዝተኻየደ እዋን እዩ ኣብ ተግባር ዘሎ ሕገ መንግስቲ ኢፌድሪ ዝፈፀሙ መምርሕታት ዋላ እካ እንተሃለው ኣብ ኣተገባብራ ፀገማት ምህላዎም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምክትል ፕሬዝዳንት ኣይተ በሪሁ ተወልደ ብርሃን ገሊፆም፡፡ ዶክተር ነገሬ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምቅራፍ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብዘይ ተሳትፎ ዜጋታት ውፅኢት ከምዘይህሉን ዜጋታት ዘልዕልዎም ሕቶታት ብቅልጡፍ ብምፍታሕ ዝምዝገብ ዘሎ ቅልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ክቕፅል ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ዝተጀመረ ኣብ ስርዓት ፌዴራዝም ዘተኮረ ዘተን ምኽክርን ክሳብ ዓርቢ ክፀንሕ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡