ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና

ዜና ፅሑፍ ወርሒ መስከረም 2010

30/01/2010

ኤጀንሲ ስራሕቲ ካርታ ኢትዮጱያ ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ንዝርከባ 10 ማእከለዎት ከተማታት ካርታ ሰሪሑ ኣረኪቡ።

እቲ ኤጀንሲ ዝሰርሖም ካርታት ንቢሮ ልምዓት ኣባይቲ እታ ክልል ኣረኪቡ። እቲ ርክክብ ዝተኻየደ ኣብ ምህንፃፅ ቁፅፅር ፅሬትን ንዘመላክቱ መስመራትን ዘካተተ ካርታ ንምስራሕ እቲ ኤጀንሲ ምስ እቲ ክልል ኣብ 2010 ዓ/ም ብዝኣሰሮ ውዕሊ እዩ። ኣብቲ ኤጀንሲ ዋና ዳይሬክተር ምፅራይ ንምድላውፕሮጀክታትን ፕላንን ኣይተ ተፈራ ዋቅፋላ ስራሕቲ እቲ ካርታ 179 ስኬር ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ኾይኑ ልዕሊ 14 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ እዩ ኢሎም። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኣባይቲ ክልል ደቡብ ኣይተ ይልማ ሱንታ ኣብቲ እዋን ርክክብ ከምዝገለፅዎ እቲ ካርታ ንዕብየትን እተን ከተማታት ልዑል ግደ ዘለዎ እዩ ኢሎም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ክወፁ ኣብ ቁፅፅር ዝውዓሉ ልዕሊ 100 ጥንታዊ መፃሕፍቲ ብራና ናብ በዓል መዚ መፅናዕትን ሓለዋን ሓድጊ ተረኪቦም።

እቶም መፅሓፍቲ ካብ 2007 ክሳብ 2009 ዓ/ም ኣብ ኢድ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ዝነበሩ ኮይኖም ናብ ወፃኢ ክሰግሩ ክብሉ ብፖሊስ ፌዴራል ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ እዮም። ኣብ ሓደ ቻይናዊ 65 መፀሓፍቲ ብራናን ውፅኢት እንስሳ ዘገዳም ዝኾኑ ካልኦት ቅርስታትን ተረኺቦም እዮም። ነቶም ዝተረኸቡ ቅርስታት መበገሲ ብምግባር ኣብ ካልኦት ውልቀ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ እንዳ መሸጣ ቅርስታት ተሓቢኦም ምስ ካልኦት ናውቲ ተመሳሲሎም ክሽየጡ ዝተዳለው ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም እዮም። እቶም ቅርስታት ናብቲ በዓል መዚ ዘረከቦ ፖሊስ ፌዴራል ካልኦት ኣብ ከይዲ ፍርዲ ዝርከቡ መዕለቢ ምስ ረኸቡ ከምዝርከብ ገሊፁ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ ሃገርና ብዜካ ንሓፂር እዋን ዝሳለጥ ኤግዝብሽን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዝተዳለወ መፅሓፍ ብራና ካብ ሃገር ክወፅእ ኣይፍቀድን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

ኢትዮያ ብፀጥታን ኢኮኖምን ምስ ሶማሊላንድ ብሓባር ክትሰርሕ ትደሊ እያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርይም ደሳለኝ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብኣቦ ወንበር ገዛኢ ውድብ ሶማሊ ላንድ ኮልምያ መሓ ቢሂ ኣብድ ዝተመርሓ ጉጅለ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኢትዮጱያ ብንግዲ፣ኢኮኖምን ፀጥታን ምስ ሶማሊ ላንድ ዘለዎ ርክብ ክተዐቢ ከምትደሊ ምግላፆም ብማዕርግ ሚኒስተር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዩኒት ሚዲያ ፣ርክብ ህዝብን ርክብን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ገሊፆም። ሶማሊ ላንድ ኣብ ቃልሲ ኣንፃር ራዕዲ መሓዛ ኢትዮጱያ ምኳና ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሕዳር ተካይዶ መረፃ ፍትሓዊ፣ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ክኮን ኢትዮጱያ ዝካኣላ ድጋፍ ክትገብር እያ ኢሎም። ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ኮልመያ መሓመድ ካሂን ኣሕመድ ብወገኖም እቶም መራሕቲ ካብ ፀጥታን ንግድን ብተወሳኺ ኣብ መሰረተ ልምዓት ውድብ በርበራ እውን አውጊዖምሉ እዮም ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ኣብ ክልልና ኣብ ኣተኣካክባ ንግዲ ንጡፍ ተሳትፎ ድጋፍ ዝገበሩ ኣካላትን ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት በዓል መዚ እቶትን መተባብዒ ሽልማት ተዋሂብዎም።

280 ሰራሕተኛታት ናይ ገንዘብን ዝተፈላለዩ መተባብዕን ዝተወሃቦም ኾይኑ ሓድሽ ሶፍተዌር ሰሪሖም ስርዓት ኣተኣካክባ እቶት ንክዝምን ዝገበሩ 2 ሰራሕተኛታት ድማ ብፍልይ ነፍሲ ወከፍ 10 ሽሕ ብር ተሸሊሞም። ካብዚ ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ፣ቤት ምኽሪ ንግድን ካልኦት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ሽልማት ተዋሂብዎም እዩ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

ንምዕባይ ንግዲ ወፃኢ መጠን ሸርፊ ብር ብ15 ሚኢታዊ ክንኪ እዩ ኢሉ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጱያ።

ተመን ዝተሓተ ወለድ ሒሳብ ቁጠባ ባንክታት እውን ካብ 5 ሚኢታዊ ናብ 7 ሚኢታዊ ክብ ከም ዝብል እቲ ባንኪ ገሊፁ። ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ገዛኢ እቲ ባንክን ኢኮኖሚስትን ዶክተር ዮውሃንስ ኣያሌው ካብ 1996 ክሳብ 2004 ዓ/ም ምንቅስቃስ ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጱያ ብቅልጡፍ ይዓቢ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ማእከላት ዓመታዊ ዕቤት እውን 24 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኔሩ ኢሎም። ካብ 2005 ክሳብ 2009 ዓ/ም ኣብ ዝነበሩ 5 ዓመታት ዋጋ ሸቀጣት ዕዳጋ ዓለም ብተኸታታሊ ብምንቁልቋሉ ዶላር ኣሜሪካ ብመንፅር ሃገራት መሻርክቲ ንግዲ ኢትዮጱያ እናጎልበተ ምካዱን ንግዲ ወፃኢ ሃገርና ተዘሓሒሉ እዩ ኢሎም። ብፍላይ ድማ ቡን ፣እክልታት ቅብዓት ፣ጥምረት ጎረባብቲ ውፅኢቱን ዝለዓለ ምንካይ ዋጋ ዘጋጠምዎ እዮም ኢሎም። መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ብምክንያት ምንካይ ዋጋ ሸቀጣት ዘጋጠመ ምዝሕሓል ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ንምክሕሓስ ርብርብ ምክያዱ ብምግላፅ ውድቀት ኣታዊ ኣድሒኑ እዩ ኢሎም። ኮይኑ ግን ኣብ ኣፈፃፅማ ሸቀጣት ንግዲ ወፃኢ 2008 ን 2009 ዓ/ም ምዝሕሓል ተራእዩ እዩ ኢሎም። ብምኻኑ እውን መንግስቲ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዝተቀመጡ ሽቶታት ከይተሸራረፉ ንምዕዋት ካብ ዘፈራት ሕርሻ፣ ኢንድስትሪ ፣መዓድንን ኣገልግሎትን ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይን እናሰፍሓ ንዝከደ ሚዛን ንግዲ ንምፅባብን ቅድመ ምድላው ጌሩ ኣብ ምንቅስቃስ ይርከብ ኢሎም ዶክተር ዮውሃንስ። ብመዳይ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ተወዳዳራይነት ፍርያታት ንግዲ ወፃኢን ምዕባይ ሃገራዊ ቁጠባን ዝሕግዙ ፖሊስታት ክቅረፅ ስለዝግባእ መመሓየሺ ሸርፊ ወፃኢን ፖሊሲ ገንዘብን ምግባሩ ገሊፆም። ብመሰረት እዚ ካብ 1 ጥቅምቲ 2010 ጀሚሩ ዋጋ ሸርፊ ወፃኢ ብር ብ15 ሚኢታዊ ክንኪ ተጌሩ ኣሎ ኢሎም። እዚ ማለት ንኣብነት 1 ዶላር ኣሜሪካ ዋግኡ 23 ነጥቢ 4177 ብር እንትኾን ብ15 ሚኢታዊ ወሲኹ ብ26 ነጥቢ 9303 ብር ይዕድግ። ቅድሚ 7 ዓመታት መጠን ሸርፊ ወፃኢ ብ17 ሚኢታዊ መስተኻኸሊ ዝገበረት ሃገርና ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክተወስድ ብዓለም ለኻዊ ትካላት ፋይናንስ ክሕተት ፀኒሓ እያ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

29/01/2010

ኣብ ወረዳ ሓውዜን 25 ሽሕ ተመሃሮ ተመዝጊቦም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡ ተገሉፁ።

ከም ኣገላልፃ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እት ወረዳ ብስሩዕ ትምህርቲ ክመሃሩ ካብ ዝተትሓዙ ተምሃሮ እቶም 92 ሚኢታዊ ተምሃሮ ከምዝተመዝገቡ የመላክት። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ሓውዜን መምህር ሃይለማርያም ረዳ ከምዝበልዎ ፣ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2010 ዓ/ም ልዕሊ 30 ሽሕ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ትልሚ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር ዛጊድ ልዕሊ 13 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 28 ሽሕ ተመሃሮ ተመዝጊቦም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጀመሩ ሓቢሮም። እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ህፃናት ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ንምግባር ብዝተገበረ ፃዕሪ ዛጊድ ልዕሊ 1ሽሕን 4 ሚኢትን ደቂ ኣንስትዮ 6 ዓመት ህፃናት ፣ ልዕሊ 2 ሽሕን 7 ሚኢትን ህፃናት ድማ ኣብ ህፃን ንህፃን ኣትዮም ንክምሃሩ ከምዝተመዝገቡ ዝሓበሩ መምህር ሃይለማርይም፣ እቲ ቁፅሪ ካብዚ ንላዕሊ ንምግባር ምስ ኣመራርሓ ትምህርቲ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ጣብያታትን ተዋዲድካ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጦም ይብል ኪኢላ ፕረስ ወረዳ ሓውዜን ተክለማርያም ተካ።

 ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ በርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ክፍለ ከተማ ሓድነት ወይዘሮ ሽዋ ተወልደ ፣ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕቲ ማኑፋክቸሪንግ ፣ኣብ ከተማ ሕርሻን ኣብ ኢደ ጥበብን ብግዝያዊ ስርሕ ዕድል ልዕሊ 601 ኣንስትዮ ፣ብቀዋሚ ስራሕ ዕድል ልዕሊ 68 ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ዕድል ከምዝተፈጠረለን ፣ካብኣተን ልዕሊ 75 ብሉፃት ደቂ ኣንስትዮ ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ ፅቡቅ ስራሕቲ ዝሰርሓ ናይ መተባብዒ ሽልማት ከምዝተሸለማ ገሊፀን። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩለ መዳይ እናዓበየን ተጠቃምነተን እንዓዘዘን ይርከብ ኢለን። ብኩለ መዳይ ዓቅሚ ብኢኮኖሚያዊ ፣ብማሕበራውን ብፖለቲካውን ስብእና ሒዘን መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ባዕለንን ኣብ ስድራኣንን ከምኡ እውን ኣብ ሃገረን ንከምፅኣ ከምቲ ልሙድ ቃልስን ኣበርቲዓን ብምስራሕ መሰረታዊ ለውጢ ዝኾነ ናይ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ከምፀኣ ይግብእ ኢለን ገሊፀን ይብል ኪኢላ ፕረስ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክፍለ ከተማ ሓድነት።

 ሕማም ዓሶ ጠቅሊልካ ንምጥፋእ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ብብርኪ ሃገርናን ክልልናን ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ 2030 ሕማም ዓሶ ጠቅሊልካ ንምጥፋእ ጠመተ ተዋሂብዎ ይስርሓሉ ከምዘሎን ዛጊድ ዘተባብዑ ለውጥታት ከምዝተመዝገቡን ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ክኢላ ክፍሊ ሰርቢላንስ ምክልኻል ሕማማት ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ ገሊፆም። ልዕሊ 75 ሚኢታዊ ከባቢ ክልልና ዓሳው ምዃኑን ጥንቃቐታት እንተተወሲዶም ሕማም ዓሶ ምክልኻል ከምዝካኣልን ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ቁፅሪ ብዓሶ ዝተትሓዙ ወገናት ልዕሊ 5 ሚኢቲ ሽሕ ከምዝነበረን ብዝተገበረ ፅዕፁዕ ፃዕሪ እዚ ቁፅሪ ኣብ 2008 ዓ/ም ናብ 229 ሽሕ ምውራዱ ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ ወሲኮም ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደረጃ መንግስቲ 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዛንዜራ ዓሶ ብበዝሒ ሕማም ዓሶ ናብ ዝረኣየለን 21 ወረዳታት ትግራይ ከምዝባፃሕ ገሊፆም። ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ልምዓታዊ ስራሕቲ እናተሳልጠሎም ዕድላት ምግፋሕ ከምዝኾኑ ዝኣመቱ ኣይተ ገብረመድህን ከምመግለፂኡ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ሕብረተሰብ ምፍጣር ፍሰት ቱሪዝም ምርግጋፅ ፣ኢንቨስተራት ብዘይስግኣት ክውሕዙ ኩነታት ምጥጣሕ ፣ተመሃሮ ትምህርቶም ብዘይምቁራፅ ክመሃሩ ምግባር ፣ሰራሕተኘታት ይኹን ሓረስቶት ስርሕቶም ብኣግባቡ ክሰርሑ ምክኣል ማለት ከምዝኾነ ወሲኾም ኣረዲኦም ዝዕደል ዛንዚራ ኣብ መዓላኡ ብምዓልን ጀቕጀቕ ብምድፋንን ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ሕብረተሰብ እጃሙ ከበርክት ኣይተ ገብረመድህን ፀዊዖም ይብል ቢሮ ርክብ ህዝቢ ዝተልኣከልና ሓበሬታ።

26/01/2010

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 65 ሽሕ ሄክታር መሬት መስኖ ንምልማዕ ዘኽእል ኣድላይ ዘበለ ቅድመ ምድላው ይውግን ኣለኹ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠር ወረዳ ሓውዜን።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ፣ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ልዕል 4 ሽሕ ደ/ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ 16 ሽሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ዝገብር ልዕሊ 65 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነት ዘራእቲ መስኖ ብምልማዕ ፣ካብዚ ልዕሊ 489 ሽሕ ኩንታል ምህርቲ ንምስፋሕ ዘኽእል ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይውገን ከምዘሎ ተዛሪቦም። ዛጊድ ንፁር መረዳእታ ተጠቀምቲ ልምዓት መስኖ ሓረተስቶት ዝለምዕ ስፍሓት መሬትን፣ መፅናዕቲ ስትራክቸር ማይ ቆፀራ ዝሰርሑን ዝተበላሸውን መስሓቢ ማይ ቴክኖሎጅታት ከምዝተወገነ ዝሓበሩ ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ፣ፀረጋ መትረባት ማይ ፣ምድላው ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈልስን ዝኣምሰሉ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለው ድሕሪ ዝተወሰነ ድማ ንተጠቀምቲ መስኖ ሓረስቶት ፣ሰብ ሞያ ሕርሽን ኣመራርሓን ስልጣና ብምሃብ ተግባራዊ ስራሕ ከምዝጅምር ግልፂ ገሊፆም ይብል ክኢላ ፕረስ እታ ወረዳ ተክለማርያም ተካ ዝለኣከልና ፀብፃብ።

 ህንዲ ንዝርግሓ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጱያ ዝውዕል 195 ሚሊዮን ዶላር ልቃሕ ክትህብ እያ።

ኣብ ኢትዮጱያ ዕላዊ ዑደት ዝገብሩ ዘለው ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ራምናት ኮቪንድ ድሕሪ ምስ ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዝገበርዎ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብቲ ንመስመራት ሓይሊ ትህቦ ልቓሕ ብተወሳኺ ንኣገልግሎት ሕክምና ዝውዕል 2 ሚሊዮን ዶላር እውን ክትህብ እያ ኢሎም። እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጱያ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ልምዓት ንተዝካይዶ ምንቅስቃስ ከምትድግፍ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ።

 ጀርመን ንዘላቂ ሰላምን ልምዓትን ኣፍሪካ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከም ትቅፅል ገሊፃ።

ዓመታዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካን ጀርመንን ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካን ጀርመንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ዝተረኸቡ ኮምሽነር ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጆርጅ ሸምዲት ልምዓት ብዘይሰላም ዘይሕሰብ ብምኻኑ ቀንዲ ዕንቅፋት ንዝኾነ ሰላምን ድሕንነት ኣህጉር ኣፍሪካ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ንፕሮግራም ውስን እቲ ሕብረት ትገብሮ ዘላ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቅፅል እዩ ኢሎም። ምክትል ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ከውሲ ኳርቴ ብወገኖም ንምሕዝነት ንምድጋፍን ጀርመን ብምንኣድ ኣብ ትምህርቲ ምህዞ ስራሕ ፣ንግዲ ፣መሰረተ ልምዓት ሰላምን ድሕንነትን ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ፀዊዖም። እቲ ኣኼባ ኣብ መናእሰይ ኢንቨስት ብምግባር ተረባሕነት ህዝቢ ነረጋግፅ ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ተኻይዱ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጱያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ኢትዮጱያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስ ዘካይዱ ዘለው ፕሬዝዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ተዛትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምጥንኻር ኣጠናኺሮም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም። ፕሬዝዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ቀዳማይ ሚኒስተርኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ፈታዊ ህንዲ ምኻኖም ብምግልፅ ርክብ ኢትዮ-ህንዲ ንምጥንኻር ንዝሰርሕዎም ስራሕቲ ድማ ኣመስጊኖም። እቶም ፕሬዝዳንት ህንዲ ምስ ኢትዮጱያ አብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ልዑል ድሌት ከም ዘለዋ ገሊፆም። ብፍላይ ድማ ኣብ ምስልጣንን ምዕባይ ክእለታት ሓይሊ ሰብ ኣብ ኢትዮጱያ ንመናእሰይ ዝሰርሑ ስራሕቲ ሃገሮም ብዝተፈላለዩ መዳያት ክትሕግዝ ምኻና ሓቢሮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

 ኢትዮጱያ ሳዕቤን ለውጢ ኣየር ንምክልኻል ንተካይዶ ስራሕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት 75 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ረኺባ ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ከባቢ ኣግራብን ለውጢ ኣየርን ገሊፁ።

ኣብቲ ሚኒስተር ጀኔረራል ዳይሬክተር መተሓባበሪ ትግበራ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣይተ ደበሱ ባይለየኝ ሃገርና ንመፈፀሚ ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ንምፅዋር ለውጢ ከባቢ ኣየርን እትሰርሖም ስራሕቲ ዝለዓለ በጀት የድልያ ኢሎም። ነዞም ስራሕቲ ንምፍፃም ኣብ ዓመት 7 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ከም ዘድልያ ኣብቲ ሚኒስተር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት። ንምዕዋት እቶም ስራሕቲ ተሳትፎ ሕብረተሰብ እቲ ዝዓበየ ግደ እኳ እንተኾነ ንመፈፀሚ ዝኸውን ገንዘብ ብዘላቅነት ንምርካብ ንዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ትካላት ሕቶታት እናቅረበ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ 50 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሕቶ ሓገዝ ዝቀረበ ምኻኑ ዝገለፁ ኣይተ ደባሲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ከፅድቅ ትፅቢት ይግበር ኢሎም ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

25/01/2010

ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ልምዓት ዝለዓሉ ወገናት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝፍፀሙ ጥሕሰታት መሰል ምህላዎም ብመፅናዕቲ ምርግጋፁ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮያ ኣፍሊጡ ።

እቲ መፅናዕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ተላዕልቲ ልምዓት ክፍላት ማሕበረሰብ ዝለዓሉ ሓሳባት መበገሲ ብምግባር ዝተሰርሓ ምኻኑ እውን እቲ ኮምሽን ኣፍሊጡ። ጥሕሰት መሰል በፂሕና ዝብሉ ወገናት ንልምዕት ኣብ ዝለዓልሉ እዋን እኹል ካሕሳ ከምዘይክፈሎም ግልጋሎት መንበሪ ገዛ እውን ብኣግባቡ ከም ዘይረከቡ እውን ገሊፆም። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮያ ብዘካየዶ መፅናዕቲ ኣብ ኣፈፃፅማ ካሕሳ ኣብ ምሃብ መተካእታ ቦታ ፣ኣብቶም ከም መተክኢ ዝወሃቡ ቦታታት ዝተማልኣ መሰረተ ልምዓት ዘይብሎም ብምኻኖም ጥሕሰት መሰል እናተፈፀመ ምኻኑ እውን እዩ እቲ መፅናዕቲ ኣመላኪቱ። ካብ ትልሚ ጀሚሩ እውን እቲ ረቂቅ መፅናዕቲ ካብ ፌዴራልን ክልላትን ዝተውፃፅኡ ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ዘተ እናሳለጥሉ ይርከቡ። እቲ መፅናዕቲ ተወሰኽቲ ሓሳባት ምስ ተማልእሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ዘተ ከምዘካይድሉ እውን ኮምሽን መሰል ኢትዮጱያ ገሊፁ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፃቡ።

 ኣብ ኢትዮጱያ ዝንብሩ ዜጋታት ሃገረ ህንዲ ኣብ ህንፀት ዓቅምን ኣመራፅታት ኢኮኖሚን ፅቡቅ ምስሉ ሃገሮም ኣብ ምህናፅ ንዘበርክትዎ ዘለው እጃም ፕሬዝዳንት ረምናት ኮቪንድ ኣመስጊኖም።

ከም ፀብፃብ ድሕረ ገፅ ህንዲ ፕሬዝዳንት ሃገረ ህንዲ ኣብ ኢትዮጱያ ምስ ዝነበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ህንዲ ተመያይጦም። ኣብ ኢትዮጱያ ሰለስተ መዓልታት ዕላዊ ዑደት ንምግባር ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ፕሬዝዳንት ሃገረ ህንዲ ኣብ ኢትዮጱያን ዝነበሩ ዜጋታት ህንዲ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእክቲ ኣብ ህንፀት ዓቅሚ ማሕበረሰብ ኢትዮጱያ ኣማራፅታት ኢኮኖሚ ብምፍጣር ፅቡቅ መልክዕ ሃገሮም ብምህንፆም ኣመስጊኖም። ኣባላት ማሕበረሰብ ህንዲ ስፖርት ዮጋ ኣብ ኢትዮጱያ ንኽላለ ምግባሮም ምስጋና ኣቅሪቦም። ፕሬዝዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ድሕሪ 45 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጱያ ዑደት ዝገበሩ ፕሬዝደንት ህንዲ እንትኾኑ ኣብ ኢትዮጱያ ኣብ ዝህልዎም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዙሓት ሐበራዊ ስምምዕነታት ከም ዝፍርሙ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀባፅባ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጱያ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጱያን ህንድን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እንዳተጠናኸረ ምምፅኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ መለስ ኣለም ሎሚ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ኢትዮጱያን ህንድን ነዊሕ ዘመን ዘቁፀረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዘለወን ብምግላፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓውደ ኢኮኖሚ እናተመሓየሽ ምምፅኡ ገሊፆም። እቶም ወሃቢ ቃል ኣብዚ ሕዚ እዋን 10 ቢሊዮን ዘንቀሳቀሱ 574 ኩባንያታት ህንዲ ኣብ ዝተዋፈርሉ ኢንቨስትመንት ንልዕሊ 50 ሽሕ ኢትዮጱያውያን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ እውን ህንዲ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኢትዮጱያ ተወሰኺ ፍልፍል ፋይናንስ እናኾነት ምምፅኣ ገሊፆም ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ርክብ ከምዘብፅሕዎ ትፅቢት ይግበር። ኣይተ መለስ ኣብ እዋናዊ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ዙርያ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጱያ መፅናዕቲ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘሎ ኮሚቴ ቴክኒክ ኣመልኪቶም ኣብ ዝተፈላለየ መራኸብቲ ሓፋሽ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዘሎ ጠቂሶም እቲ ኮሚቴ ዝተውሃቦ ስራሕ ብዝግባእ ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፆም ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

 ሕማም ኤች ኣይ ቪ ኣይቪ ኤድስ ንምክልካል ዘኽእል ፖሊስን ስትራቴጅን ንምውፃእ ዘኽእል መድረክ ምክክርን ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ብቤት ፅሕፈት ሃገራዊ ምክልኻልን ኤች ኣይቪ ኤድስ ምስ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ብሓባር ብምኻን ዘሰናድእዎ እዩ። ካብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝምልከቶም ኣካላት ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሑ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ተሳቲፎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ሃገር ኣብ መናእሰይ ዝርግሓ እቲ ሕማም 1 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ እንትኾን ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ድማ 0 ነጥቢ 99 ሚኢታዊ ዝተሓተ ብርኪ ዘለዎ እዩ። እቲ ዝለዓለ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 4 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ እዩ ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ሕዚ ዘሎ ዝርግሓ እቲ ሕማም ኣብ ዝንክየሉ መንገዲ ዘተ ክግበር እዩ ክብል ኤፍቢሲ ፀብፂቢ።

ኣብ ኩሎም ክልላት ንዝተመረፁ 3 ሚኢቲ መሰናድኦ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ፕሮግራም ስኩል ኔት ከምዝትከለለን ማእከል ኢንፎርሜ ኮምኒኬሽን ቴክኖሎጂ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ማእከል እስኩል ኔት ብቴሌቭዠን ዝወሃብ ፕሮግራማት ትምህርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰርቨር ኣቢሎም ተቐቢሎም ብምቅማጥ ኣብ ዝደለይሉ እዋን ንክጥቀምሉ ዘኽአል ቴክኖሎጂ እዩ። ሓላፊ እቲ ማእኸል ዶክተር ገበዮሁ ወርቅነህ ከምዝገለፅዎ ዝተመረፀ ኣብያተ ትምህርቲ ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም ንምግባር ምስ መንግስቲ ባንኪ ዓለምን ሓገዝቲ ልምዓት ብዝተረከበ 617 ሚሊዮን ብር ገንዘብ ንዝርጋሕቲ ቴክኖሎጂ እናተሳለጠ ዝርከብ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከቡ 3 ሽሕ መሰናድኦ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዋ እንትኾና ነዚ ቴክኖሎጂ ዝጥቀማ ግን 1 ሽሕ 650 ጥራሕ ምኻነን ተገሊፁ እዩ ክበል ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ኣብ ኢትዮጱያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ምስ ዘለው ህንዳዊ መዘነኦም ራም ናት ኮቪንድ ዘትዮም።

ኣብ ዘተኦም ህንዲ ምስ ኢትዮጱያ ዘለዋ ርክብ ፍሉይ ጠመተ ከምትህቦ ፕሬዝዳንት ራምናት ተዛሪቦም።ሃገሮም ምስ ኢትዮጱያ ዘለዋ ታሪካዊ ርክብ ብንግድን ኢንቨስትመንትን ዘፈራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምትደሊ ገሊፆም። ህንዲ ምስ ኣፍሪካ ንእትገብሮ ርክብ ኢትዮጱያ ቁልፊ ብፅሒት ኣለዋ ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳንት ሃገሮም ኩሉ መዳያዊ ፃዕሪ ኢትዮጱያ ከምትሕግዝ ፀሪሖም ፣ንሓይሊ መከፋፈሊ ህንፀት ዝውዕል 195 ሚሊዮን ዶላር ከምትህብ ቃል ኣቲዎም። ፕሬዝዳንት ሙላቱ ብወገኖም እቲ ሕዚ ዘሎ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ድልየት መንግስቲ ኢትዮጱያ እውን ምኻኑ ገሊፆም። ኢትዮያን ህንድን ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ግብረ ራዕዲ ብሓባር ንምቅላስ ከምዝሰርሑ ኣብ ስምምዕ በፂሖም እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።

24/01/2010

ትካላት ዲሞክራሲ ኣሓይለን ክሰርሓ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ሓበራዊ ዘተ ማእከላት ዲሞክራሲ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ዝተረኸቡ ብማዕርግ ሚኒስተር ሓላፊ ዩኒቲ ዲሊቨሪ ህዝባዊ ርክባት መራኸቢ ሓፋሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣይተ ዛይድ ኣብርሃ፣ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎም ማእከላት ምህናፅን ክትትል ምግባርን ከምኡ እውን ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝሰፈኖ መስርሕ ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ ተዛሪቦም፡፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ኣዲሱ ገብረእዝጋብሄር ብወገኖም ፣ማእከላት ዲሞክራሲ ካብ ሕገ መንግግስቲ ወፃኢ ዝንቀሳቀሱ ኣካላት ምእራምን ምዕራይን ፣ሕብረተሰብ ፍትሒ ክረክብ ምግባር፣ ልዕልና ሕጊ ፍትሒን ክዓስል ኣብ ምግባር ግቡኣን ክፍፅማ ከም ዘለወን ገሊፆም፡፡ ኣብ መፈፀሚ እቲ መድረኽ ሓበራዊ ዘተ ኣፈ ጉባኤ ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ ብቀፃሊ ንምፍታሕ ትካላት ዲሞክራሲ ንባዕለንን ዘለዎን ሓይሊ ሰብን ብምጥንኻር ዝሓሸ ኣንፈት ክሕዛ ኣተሓሳሲቦም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ን10ይ እዋን ዝኽበር በዓል መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ንምኽባር ምድላዋት ከምዝተወገነ ተገሊፁ፡፡

እቲ በዓል 6 ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ራኢ ሰኒቕና ኢና፣ ንዝበለፀ ዓወት ተለዓዒልና ኢና ብዝብል መሪሕ ቃል ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ዝተመረፁ ትካላት ተኸቢሩ ከምዝውዕል ተሓቢሩ፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ተፀዋዒ መንግስቲ ቤት ምኸሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ኮሚቴ ኣከባብራ እቲ በዓልን ኣይተ ኣማኑኤል ኣብርሃም ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቅድሚ ሕዚ ሰንድቕ ዕላማ መግለፂ መንነት ስርዓትን ገላፂ ባህርን ምንባሩ ኣረዲኦም፡፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ ሰለስተ ብግልፂ ከም ዝተደንገገ ድማ ሰንደቕ ዕላማ መላእ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብተወሳኺ ድማ ነፃነትን ማዕርነትን ሃይማኖት ዝንፀባረቐሉ እዩ ኢሎም፡፡ ሰንድቕ ዓላማ ሃገርና ልምዓትን ብሩህ ተስፋ ዘመላኽትን ምኻኑ ድማ ሓቢሮም፡፡ ካብ 2006 ዓ/ም ዓ/ም ብዝተመሓየሸ ኣዋጅ 863/2006 ኣብ ፈላማይ ሰኑይ ወርሒ ጥቅምቲ ተኸቢሩ ይውዕል ዝብል ኮይኑ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 6 ጥቅምቲ እቲ በዓል ክኽበር ምድላዋት ከምዝተገበረ ገሊፆም ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ኢትዮያ ሕፅረት ቀረብ ፍርያት ሽኮር ከም ዘጋጠመ ተገሊፁ፡፡

ካብ ቀረባ እዋናት ንነዘ ኣብ መላእ ሃገር ሕፅረት ቀረብ ፍርያት ሽኮር ከም ዝተራእየ ናይዚ ጠንቂ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዓቦ ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ፍርያት ሽኮር ንሕፅረት ከም ዘቃልዐ ኮርፕሬሸን ሽኮር ገሊፁ ኣሎ፡፡ ኣካያዲ ስራሕ ኮምኒኬሽን እቲ ኮርፕሬሽን ኣይተ ጋሻው ኣይችሉህም ኣብ በጀት ዓመት 2009 5 ሚሊዮን ኩንታል ንምፍራይ ትልሚተታሒዙ 3 ሚሊዮንን 500 ሽሕን ኩንታል ሽኮር ጥራይ ክፈሪ ምኽኣሉ ገሊፆም፡፡ ኣብ ኣፈፃፅማ ትሑት ውፅኢት ዝተረኸበሉ ምኸንያት ድሕሪ ወርሒ ማያዝያ ብሕልፊ ኣብ ወርሓት ክረምቲ ሽኮር ከፍርያ ትፅቢት ዝተገበረለን ፋብሪካታት ብምኽንያት ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ናብ ስራሕ ከም ዘይኣተዋን እቲ ሕፅረት ድማ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ከም ዘጋጠመ ኣይተ ጋሻው ገሊፆም፡፡ ኣይተ ጋሻው ድሕሪ ሒደት መዓልታት ካብ ሃገራት ታይላንድን ናይጀርያን ዝተሸመታ 700 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ናብ ውሽጢ ዓዲ ከም ዝኣቱን ኣብ ዓመተ 2010 ዓ/ም 8 ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ስራሕ ብምእታው 7 ሚሊዮን ኩንታል ከፍርያ ሙሉእ ብሙሉእ ፀገም ሽኮር እዛ ሃገር ንምሽፋን ከም ዝተተለመ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤቢሲ፡፡

 ምስ ህንፀት ፖርክታት ኢንደስትሪ ተተሓሒዙ ንዕብየት ዘፈር ጨርቃ መርቂ ጠመተ እኳ እንተተገበረ በቲ ዘፈር ዝተመሃረ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝሃበኦ ቆላሕታ ትሑት እዩ ተባሂሉ፡፡

ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ኢንቨሰትመንት ኢትዮጵያ ዶክተር በላቸው መኩርያ እቲ ክፍተት ዘሎ ምዃኑ ገሊፆም ነቲ ክፍተት ንምፍታሕ ድማ ምስ ዩንቨርስታት ሃገር ክስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ብቐዳምነት ሽሙ ዝለዓለ ዩንቨረስቲ ባህርዳር ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ዓመት ቁፅሪ ዘሰልጠኖም ተመሃሮ 3ተ ሸሕ ጥራሕ እዮም፡፡ ኣብ ኢንስትቲዩት ልምዓት ጨርቃ መርቂ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ባንተይሁን ገሰሰ ብወገኖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘፈር ልምዓት ሓይሊ ሰብ ጨርቃ መርቂ ዘሰልጥኑ ዘለው ዩንቨርስታት ውሕዳት እኳ እንተኾኑ ምስ ቅድሚ ሕዚ ክነፃፀር ከሎ ግና ዝሓሸ ምዃኑ ገሊፆም፡፡ ዝበለፀ ምምሕያሽ ንምፍጣር ድማ ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ዝሓሸ ምትእስሳር ንምፍጣር ይሰራሕ ኣሎ ኢሎም ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለወን ታሪካዊ ርክብ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ኣጠናኺረን ንምቐፃል ክሰርሓ እየን ኢሎም ሚኒስተር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ፡፡

እቶም ሚኒስተር ሓድሽ ኣምባሳር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ምስ ዝተሸሙ ኣምባሳደር ማይክል ራይነር ዘትዮም፡፡ ኣምባሳር ማይክል ራይነር ደብዳቤ ሽመቶም ንዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኣረኪቦም እዮም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ርክብ ዝዓበየ ክብሪ እትህቦ ምኻና ነቶም ኣምባሳደር ገሊፀምሎም እዮም፡፡ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዓውደ ንግዲ ኢንቨስትመንት ኣብ ዝቕፅል ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብሓባር ምሰራሕ ከምዘለወን እውን ገሊፆም እዮም፡፡ ኣምባሳደር ራይነር ብወገኖም ምምሕዳር ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ክትቕፅል ድልው ምኻና ንዶክተር ወርቅነህ ገሊፆምሎም እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

23/01/2010

ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስን ርክብን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ገሊፀን፡፡

በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ኣምባሳደር ዶክተር ኣብድልቃድር ርዝቁ ፣ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ልኡኽ ጉዳያት ሚኒስተር ፕሬዝዳንት ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ሸኽ መንሱር ቢን ዛይድ ዘትዮም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ቁልጡፍ ዕብየት እናመዝገበት ምኻኑ ዝገለፀ ዶክተር ኣብድልቃድር ፣ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ዘለዎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ድልየት ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡ ልኡኽ ሸኽ መንሱር ቢን ዛይድ ብወገኖም እናዓበየ ዝመፀ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ቢሂጎም እዚ እውን ተጠናኺሩ ንኽቅፅል ድልየት ሃገሮም ምኻኑ ገሊፆም፡፡ ሰብ ሃፍቲ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ኣብ ኢትዮጵያ ሃፍቶም ንኽዋፈሩ ድፍኢት ከምትገብር እውን ምግላፆም እውን ንቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፀሪሑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ሚኒስተር ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ሃፍትን ንቀፃልቲ 10 ዓመታት ዘገልግል ሃገራዊ ስተራቴጂ ልምዓት ሆርቲ ካልቸርን ዕድጊትን ዕላዊ ጌሩ፡፡

ኣብ ሃገርና ብዓውደ መስኖ ሆርቲ ካልቸር ከልምዕ ዘኽአል 11 ነጥቢ 9 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ዘሎ ዋላ እንትኾነ ፣ክሳብ ሕዚ ክለምዕ ዝኽኣለ ግን 2 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ሄክታር ጥራሕ እዩ እዚ ሓድሽ ስተራጂ ኣብቲ ዓውዲ ዝርከቡ ፀገማት ብምቅራፍ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ከም ዝሕግዝ ምኻኑ እውን እዩ ተገሊፁ፡፡ እዞም ኣብቲ ዓውዲ ዝርኣዩ ክፍተታት ዝፈትሕ እዩ ዝተበሃለ ስትራቴጂ ብዓለም ለኸ ብርኪ ተወዳዳሪ ንምኻን ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተመኩሮ ብምውሳድ ምድላው እውን ተገሊፁ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብቲ ዓውዲ ካብ 50 ሚሊዮን ኣሜሪካ ዶላር ዝበለፀ ኣታዊ ከም ዘይትረክብ ነዚ ምኸንያት እውን ብዝተዋደደ መልክዑ ክሰርሕ ዝኸእል ስትራጂ ብዘይምንባሩ ምኻኑ ተገሊፁ፡፡ እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ዘመናዊ ስርዓት ዕደጋ ብምዝርጋሕ ነቲ ዘፈር ዝወሃብ ቀረብ ፋይናንስ እኹል ንክኸውን ብምግባርን ፣ሰራሕቲ መሰረተ ልምዓት ንኽስፋሕፋሕ ፅርየትን ቁፅፅርን ከጠናኸርን ብዝተዋደደ መልክዑ ንኽህቡ ከም ዝገብር እውን ተገሊፁ እዩ፡፡ እቲ ስትራጂ ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝምልከቶም ኣካላት ፌዴራል ክልልን ተወከልቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍትን ተረኺቦም እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ብኽፋል ካብ ነሓሰ 1/2009 ዓ/ም ጀሚሮም ዕፅው ኮይኖም ዝፀንሑ 3 ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ሰራሕ ኣትዮም፡፡

ፌዴራል ፈላማይ ደረጃ ፣ላዕለዋይን ሓፈሻዊ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ነሓሰ 1 ጀሚሮም እስካብ 19 መስከረም 2010 ብኽፋል ዕፅው ኾይኖም ዝፀንሑ እንትኾን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ሙሉእ ብሙሉእ ስሩዕ ግልጋሎት እናሃቡ ይርከቡ፡፡ እቶም ኣብያተ ፍርዲ ብኸፊል ዕፅው ኾይኖም ኣብ ዝፀንሕሉ 49 መዓልታት ኣብ ኣፃዳፍን ግዘ ዘይህብን ምስ ሃገርን ህዝብን ፀጥታ ርክብ ዘለዎም ሕቶታት ስሩዕን መደበኛን መጋባእያ ብምድላው ከተኣናግዱ ፀኒሖም እዮም፡፡ በዚ መልክዑ ዝፀንሑ 170 መጋባእያታት ቤት ፍርዲ ፌዴራል ካብ መስከረም 22 /2010 ዓ/ም ግልጋሎት ምሃብ ብምጅማሮም ብርክት ዝበሉ ን2010 ካብ ዝተመሓላለፉ መዛግብቲ መንጎ ብኽፋል ናብ ምርመራን ውሳነን ምሕላፎም ካብቶም ኣብያተ ፍርዲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡ በዚ መሰረት እውን ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ሬጅስትራል ካብ ነሓሰ 2009 ጀሚሩ እስካብ መስከረም 2010 ዓ/ም ጥራሕ 2000 ሓደሽቲ ፋይላት ምኽፋቶም ምክትል ሓላፊት እቲ ቤት ፅሕፈት መንበረ ነጋሽ ገሊፀን፡፡ ሰለስቲኦም ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ኣብ 2010 በጀት ዓመት ን1 ሚኢትን 83 ሽሕን 670 መዛግብቲ ውሳነ ንምሃብ ምትላሞም እውን ካብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

22/01/2010

ኤች ኣይቪ ኤድስን ተተሓሓዝቲ ሕማማትን ዘለዎም ደረጃ ዝርግሓ ንምፍላጥ ዘኽእል መፅናዕቲ ክካየድ እዩ፡፡

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ እቲ መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ኤችኣይቪ ኤድስ ንምቁፅፃር ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምግንዛብ ዘኽእል እዩ፡፡ እቲ ሕማም ኣብ ሕብረተሰብ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ንምርኣይ ዝሕግዝ መፅናዕቲ ምዃኑ እውን ገሊፁ፡፡ እቲ መፅናዕቲ ስድራ ማእኸል ዝገበረን ዘመናዊ መመርመሪ ላባራቶርን ዘመልኣለ ኾይኑ ኣብ ዝተመረፃ 395 ከባብታት ሃገርና ክሳለጥ እዩ፡፡ ከም ኣገላልፃ እቲ ኢንስቲትዩት ምዝዛም እቲ መፅናዕቲ ንሰብ ሞያ ጥዕና፣ ኣውፃእቲ ሕግን ተመራመርትን ዝለዓለ ሓገዝ ክህልዎ እዩ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኢትዮጵያ ምስ ተመዝግቦ ዘላ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዝቃዶ ፖሊስን ስትራቴጂን ወፍሪ ስራሕ ኣብ ስራሕ ውዒሉ፡፡

እቲ ፖሊስን ስትራቴጂን ንኣመራርሓ ክልል ዕላዊ ዝተገበረ ኾይኑ ዕቤት ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ሓይሊ ሰብ ብኣግባቡ ንምጥቃምን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ ፖለቲካውን ፀገማት ሓጋዚ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ፡፡ ንምፍታሕ ድሌት ስራሕን ማክሮ ኢኮኖሚ ሃገርና ዝጠልቦ ሓይሊ ሰብ ብምምላእ ፀገማት ወፍሪ ስራሕ ፈቲሑ ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ዜጋታት ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዎ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኢንድስትሪያላዊ ፍርያምነት ክውስኽን ኣብ መንጎ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ሰላማዊ ርክብ ክህሉ ዝገብርን እዩ ዝተበሃለ እቲ ፖሊሲ ኣብ ሃገርና ዝወሃብ ስልጠናታትን ትምህርትን ምስ ዕዳጋ ሓይሊ ሰብ ክጠዓዓም ዝገብር እዩ፡፡ እቲ ዓለም ለኻውን ሃገራውን ወፍሪ ሰራሕ ብኣግባቡ ንምምራሕ ዘኽእል ፖሊሲ ዘፈፀሞ ካብ ፌዴራል ጀሚሩ ክሳብ ወረዳ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ወፍሪ ስራሕ ክጣየሽ እዩ ተባሂሉ ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡

ሻውዓይ ውድባዊ ጉባኤ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ሓድነት ህዝቢ ጋምቤላ ጋህኣዴን ንኣቦ ወንበር ምክትልን እቲ ውድብ ሓዊሱ 35 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብምምራፅ ተዛዚሙ፡፡

እቲ ጉባኤ ንክልተ ዓመት ዘገልግሉ 9 ፈፀምቲ ስራሕን 5 ኮምሽነራት ኦዲትን ቁፅፅርን እቲ ውድብ እውን ዝመረፀ ኾይኑ ኣብ መዛዘሚ ጉባኤኡ በዓል 12 ነጥቢ ቅዋም መግለፂ ኣውፂኡ እዩ፡፡ ኣብ ሸውዓይ ውድባዊ ጉባኤ ጋህኣዴን ሕሉፍ ስርሓቱ ብምግምጋምን መመሓየሺ መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ውድብን ኣፅዲቑ እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ዳሬክተር ኮምኒኬሽን በዓል መዚ መንገድታት ኢትዮጵያ ኣይተ ሳምሶም ወንድሙን ኣይተ በቀለ ባልቻን ካብ ዝተጠርጠርሉ ገበን ግዕዝይና ብናፃ ተሰዲዶም፡፡

ተረኛ ካልኣይ ምድብ መጋባእያ ልደታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ነቲ ትእዛዝ ዝሃቦ ኾይኑ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ እውን ኣብ ክልቲኦም ተጠርጠርቲ ዝጀመሮ ምፅራይ ምቁራፅ ብፅሑፍ ኣቕሪቡ እዩ፡፡ ብተወሳኺ የኔነህ ኣሰፋ ዝተበሃሉ ተጠርጣሪ ብ50 ሽሕ ብር ውሓስ ክልቀቑ ትእዛዝ ዝሃበ እቲ ቤት ፍርዲ ብ150 ሽሕ ብር ወሓስ ናፃ ክስደዱ ዝኣዘዘሎም በዓል ዋና ሀይቢ ኣይ ኣይ ኮንሰትራክሽን ኣይተ ዛኪር ኣሕመድ ተቓውሞ ዓቃቢ ሕጊ ብምቕራቡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ምኽንያት ከቕርብ ተኣዚዙ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

19/01/2010

ንዕውትነት ዝመፅእ ሰንበት ኣብ ከተማ ብሸፍቱ ብዓብይ ድምቀት ዝበዓል በዓል ኢሬቻ ሕብረተሰብ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

ከንቲባ ወይዘሮ ገነት ኣብደላ ከምዝገልፅኦ 21 መስከረም 2010 ዓ/ም ኣብ ሆራ ኣርሲዲ ዝኽበር መርኣይን ምግላፅን ሓድነት ህዘቢ ኦሮሞ ዝኾነ በዓል ኢሬቻ ንምኽባር ቅድመ ምደላዋት ተወጊኖም እዮም፡፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ኣጋይሽ በብቅዓት ንምትእንጋድ ዝክኣለና ዓቕሚ ንምጥንካር ምሰቲ ማሕበረሰብ ዘተ ብምግባር ኣብ ሙሉእ ምርድዳእ ብምብፃሕ ናብ ሰራሕ ኣቲና ኢና ኢለን፡፡ በዓል ኢሬቻ ብመራሕቲ ኣባዳገታት ዝምራሕ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ከንቲባ ብፍላይ እቲ ሰላም ብዝበለፀ ንምጥንኻር 300 ፎአሌታት ኣባገዳ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝተውፃፅኡ ፍቃደኛታትን ተመልሚሎም ምስ ኣካላት ፀጥታ ተዋዲዶም ከምዝሰርሑ ገሊፀን፡፡ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ግልጋሎት ዋሃብቲ ትካላት፣ ብዘይምንም ወሰክ ዋጋ መደቀሲ ፣ግልጋሎት ምግብን መስተን ክህቡ ምስ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሓ ሓቢረን፡፡ ዕብየት ቱሪዝም እታ ከተማ ጠንካራ ንምግባር ኣብቲ በዓል ንክሳተፉ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተሓጊሶም ክምለሱ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎም እዩ ኢለን ስለዝኾነ ኩሉ ተሳታፊ በዓል ኢሬቻ እቲ ሰርዓት ዝሓለወ ተግባራት ጥራሕ ብምፍፃም ብፅሒት ክፃወት እተን ከንቲባ ፃውዒተን ኣቕሪበን ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ልዕሊ 110 ዝኾና ትካላት መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራሕ ካብ መምርሒ ወፃኢ ብልዕሊ ፍርቂ ቢሊዮን ብር ዕደጊት ፈፂመን፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ልዕሊ 110 ትካላት መንግስቲ ኣብ 2009 ዓ/ም ጥራሕ ልዕሊ ፍርቂ ቢሊዮን ዕድጊት ከምዝፈፀማ ገሊፁ፡፡ ኣብ ሚኒስተር ትሕብብርን ገንዘብን ቁጠባን ዳይሬክተር ኢንስፔክሸን ኣይተ ፍቃዱ ኣጎናፍር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ኣብ 120 ትካላት ብዝተገበረ መፅናዕቲ መሰረት መብዛሕቲኦም ኣብ ወርሒ ሰነ ጥራሕ ካብ ፍርቂ ቢሊዮን ብር ንላዕሊ ዕድጊት ከምዝፈፀሙ ሓቢሮም፡፡ እዚ ድማ ንብረት ህዝቢ ብዝግባእ መንገዲ ንረብሓ ህዝቢ ንከየውዕል እናገበረ እዩ ኢሎም፡፡ ኮምኒኬሽን ዳይሬክተር ዕድጊትን ምምሕዳር ንብረትን ኣይተ ሰጠኝ ገላን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ድማ ብጣዕሚ ህፁፅ ዕድጊት እንተዘይኮይኑ ኣብ ወርሒ ሰነ ዕድጊት ንክፍፅሙ እቲ መምርሒ ከምዘይፈቅድ ተዛሪቦም፡፡ ተቐባልነት ኤጀንሲ እንተይረከቡ ዝፍፅሙ ዕድጊታት ተቐባልነት የብሎምን ዝበሉ ኣይተ ሰጠኝ ፣እዚ ተግባር ተፈፂሙ እንትርከብ እቲ ቤት ፅሕፈት ንሚኒስተር ትሕብብር ቁጠባን ከምዘፍልጥ እዮም ሓቢሮም፡፡ እቲ ኤጀንሲ ኣብ 2009 ዓ/ም በጀት ተፀዋዕነቶም ናብ ፌዴራል ዝኾኑ ትካላት ዳግም ስራሕቲ ተፈትሹ እናወገኑ ምዃኖም ተገሊፁ፡፡ እተን ካብ መምርሒ ወፃኢ ዕድጊት ዝፈፀማ ትካላት መንግስት ኣብ 2010 በጀት ዓመት ካብ ዝተልዓን በጀት ብምንካይ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ክገብራ ከምዝተኣዘዘ ኣይተ ኣጎናፍር ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 በቢ ዓመቱ ኣብ ኢትዮጰያ ዑደት ዝገብሩ ቁፅሪ ቻይናውያን በፃሕቲ ዓዲ እናዓበየ ምምፅኡ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ለሸንዋ ከምዝገለፅዎ ኣብ 2012 ዓመተ ፈረንጂ 35 ሽሕ ዝነበሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገብሩ በፃሕቲ ዓዲ ቻይናውያን ቁፅሪ ኣብ 2015 ዓመተ ፈረንጂ 41 ሽሕን 660 በፂሑ እዩ፡፡ ኣብ 2015 ን2016 ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ሃገርና ፀገም ፀጥታ ዋላ እኳ እንተነበረ ቁፅሪ ዑደት ዝገብሩ በፃሕቲ ዓዲ ቻይናውያን ግን ከምዝወሰኸ እዩ እቲ ሚኒስተር ዘመላክት፡፡ ይኹን እምበር ካብ በፃሕቲ ዓዲ እንግሊዛውያን ንኣሜሪካውያን ቁፅሪ ኣንፃር እንትርኣ ቁፅሪ ቻይናውያን ሕዚ እውን ዝተሓተ ምኻኑ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ ዝቕፅል ቻይናውያን ቁፅሪ በፃሕቲ ዓዲ እናወሰኸ ከምዝከይድ እቲ ሚኒስተር እምነቱ ገሊፁ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ካብ ዝገበራ ልዕሊ 886 ሽሕን 897 በፃሕቲ ዓዲ 3 ነጥቢ 32 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ተረኪቡ እዩ፡፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብሩ እዮም ተባሂሎም ትፅቢት ካብ ዝገበረሎም 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን በፃሕቲ ዓዲ 4 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተተሊሙ እዩ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓ/ም ን50 ሕሙማት መጥባሕቲ ነቂልካ ምትካል ኩላሊት ከምዘካይድ ሃገራዊ ማእኸል ነቂልካ ምትካል ኩላሊት ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ማእኸል ምክፋት መውሃቢ ሕክምና መሕፀቢ ኩላሊት ምጀማሩ መጥባሕቲ ነቂልካ ምትካል ኩላሊት 2ይ ዓመት ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ፡፡ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ማእከል ዶክተር ሞሚና መሃመድ ፣ኢትዮጵያ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ስዒባ ካብ ኣብ ትሕቲ ሳሃራን ዘለዋ ሃገራት ውፅኢታዊ ዝኾነ መጥባሕቲ ነቂልካ ምትካል ኩላሊት ብምክያድ ኣብ ሪጋ ቅድሚት ከምዝተሰርዓት ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 50 መጥባሕቲ ነቂልካ ምትካል ኩላሊት ብምክያድ ናይቶም 49 ኩላሊት ሙሉእ ብሙሉእ ጥዕናኦም ተመሊሱ ግልጋሎት ከምዝሃቡ ተዛሪቦም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕክምና መጥባሕቲ ነቂልካ ምትካል ኩላሊት ተመዝጊቦም ዝልገሰሎም ዝርከቡ 25 ሕሙማት ከምዘለው ዝገለፃ ዶክተር ሞሚና መሃመድ ኣብዚ በጀት ዓመት ን50 ሕሙማት እቲ ሕክምና ንምሃብ ከምዝተተለመ ገሊፆም፡፡ ከምዚ ዓይነት ሕክምና ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንምርካብ ካብ 400 ሽሕ ክሳብ 500 ሽሕ ብር ዝሓትት ኮይኑ እቲ ማእኸል ግን ድሕሪ ነቂልካ ምትካል ጀሚሩ ሕክምና ነቂልካ ምትካልን መድሓኒት ክልተ ወርሒ ብናፃ እናሃበ ይርከብ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝብታት ጋምቤላ /ጋህኣዴን/ 7ይ ውድባዊ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ፡፡

ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ጋት ሉኣክ ቱት ኣብ መክፈቲ እቲ ጉባኤ ከም ዝበልዎ እቲ ክልል ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዋላ እኳ ዝተዓደለ እንተኾነ ንዘመናት ከይተርበሓ ፀኒሑ እዩ እዚ ንምልዋጥ ማይ ዝተከተለ ስርዓት ኣወፋፍራ ብምትግባር ሕብረተሰብ ብቁሸት ብምትእክካብ ተረባሒ ምግባር ምጅማሩ ገሊፆም፡፡ እቲ ክልል ማእኸል ጎንፂ ንምግባር ዝፍትኑ ፀረ ሰላም ሓይልታት ብምንቅስቃስ ጋህኣዴን ምክልኻል ከምዝተክኣለ ኣፍሊጦም፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣሕዋት ውድብ ጋህኣዴን ሃገራዊ ውድብን ልምዓት እቲ ክልል ናብ ድሕሪት ዝመልስ ምንቅስቃሳት ብሓባር ብምኻን ኣፍሊጦም፡፡ ጋህኣዴን ኣብ 7ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ናይቲ ውድብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 2 ዓመት ዝግምግም ኾይኑ ሕግን ደንብን እቲ ውድብ ከምዘማሓይሽ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

18/01/2010

ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ኣብ ሃገርና ዑደት ካብ ዝገበሩ 886 ሽሕን 897 በፃሕቲ ዓዲ ልዕሊ 3 ነጥቢ 32 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ተረኺቡ ኢሉ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን፡

፡ ከም መረዳእታ እቲ ሚኒስተር ካብ 2012 ክሳብ 2015 ዓመተ ፈረንጂ ዜጋታት ኣሜሪካ ፣እንግሊዝ ፣ቻይና ፣ ጀርመን ፣ጣልያንን ፈረንሳይን ኣብ ኢትዮጰያ ዑደት ብምግባር ቅድሚት ይስርዑ፡፡ ክሳብ ዓስራይ ኣብ ዘሎ ደረጃ ድማ ዜጋታት ኬንያ፣ ህንዲ፣ ስዑድ ዓረብያን ሱዳንን ተፀራሕቲ እዮም፡፡ ኢትዮጵያ ብዘለውዋ ተፈጥሮኣውን ታሪካውን መስሕባት ተመራፂት ምዃና ዝገለፀ እቲ ሚኒስተር ዲፕሎማስያዊ ርክብን ምልላይ ሃፍትታት ቱሪዝምን ካልኦት ብልጫታት ኢትዮጵያ እዮም ምባሉ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኢትዮጵያ 90 ቢሊዮን ዶላር ወፃኢ ዝሓትት ሃገራዊ ትልሚ ቁፅፅር ለውጢ ኩነታት ኣየር 15 ዓመታት ዕላዊ ጌሩ፡፡

እቲ ትልሚ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ መዳርግቲ ኣካላትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ካብ ዝተረኸበሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ኮይኑ፡፡ እቲ ሰነድ ፅዕንቶ ለውጢ ኩነታት ኣየር ብምቁፅፃርን ተቃላዕነት እቲ ፀገም ብምንካይን ኣንፈታት ምምሕያሽ ሓንፂፅካ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ዘኽእል እዩ፡፡ እቲ ትልሚ ነቲ ፅዕንቶ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሕርሻ፣ ኢንድስትሪ፣ ትራንስፖርት፣ ጥዕና ፣ኣግራብን ማይን ዝበሉ ዘፈራት ትኩረት ዝገብር ኮይኑ18 ቀንዲ ቀንዲ ኣማራፅታት መቆፃፀሪ ኣቕሚጡ ኣሎ፡፡ ንመፈፀሚ እቲ ትልሚ በቢ ዓመቱ 6 ቢሊዮን ዶላር ዝሓትት ኮይኑ ብሓፈሻ ን15 ዓመታት 910 ቢሊዮን ዶላር ይጠልብ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ተሳትፎን ተጠቃምነትን ጉድኣት ኣካል ንምዕባይ ኣብ ኣረኣእያን ግንዛበን ዘሎ ሕፅረት ትኹረት ጌርካ ክሰራሕ ከም ዝግባእ ትካል ሓባሲ ንብዓት ፌዴራል ገሊፁ፡፡

ሓባሲት ንብዓት ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን እቲ ትካል ወይዘሮ ሳንያ ሰኒ ኣብ ሆስፒታላት ፣ትካላት ትምህርትን መጓዓዝን ዝርኣዩ ጉድለታት ኣወሃህባ ግልጋሎትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ጉድኣት ኣካል ኣሉታዊ ፅዕንቶ የሕድሩ ኣለው ኢለን፡፡ ትካለን ኣብ ዝገብሮ ክትትል ሕፅረት ግንዛበን ጉግይ ኣረኣእያን ከምኡ እውን ፀገም ሰናይ ምምሕዳርን ሆስፒታላት ጉድኣት ኣካል ግቡእ ኣገልግሎት ከይረኸቡ ዕንቅፋት ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም፡፡ ብተመሳሳሊ በቢ ደረጅኡ ኣብ ዘለው ትካላት ትምህርቲ ምችው ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘይምፍጣር ሕፅረት መምህራን ፣ብሬንን ምልክት ቋንቋን፣ ከምኡ እውን ህንፃታት ምችዋት ዘይምኻኖምን ፀገም ኣገልግሎት መጓዓዝያን ንጉድኣት ኣካል የፀግሙ ኣለው ኢለን፡፡ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከቡ ህዝቢ እቶም 1 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ጉድኣት ኣካል ምዃኖም ፀብፃባት የመላኽቱ ይበል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮያ፡፡

16/01/2010

ውድባዊ ኮንፈረንስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ብሄር ኣምሓራ /ብኣዴን/ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተጀሚሩ፡፡

እናሰራሕና ክንሕደስ ኢና፣ እናተሃደስና ክንሰርሕ ኢና ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ን5 መዓልታት ዝካየድ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ሕሉፍ 26 ዓመታት ጉዕዞ ልምዓት ብምድህሳስ ዓወታት ዓሚቕ ተሃድሶን ዕንቅፋታቱን ክግምግም እዩ፡፡ ከይዲ ዓሚቕ ተሃድሶ ተጠናኺሩ ካብ ዝቕፅለሉ ሓፈሻዊ ኣንፈት ኣብ ዝቕመጠሉ ኩነታት ክዝቲ ትፅቢት ዝግበረሉ እቲ ኮንፈረንስ ሕብረተሰብ ተረባሒ ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝፍተሸሉ ምዃኑ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ብኣዴን ሓላፊ ዘፈር ገጠር ፖለቲካ ኣይተ ዘለቀ ኣንሉ ገሊፆም፡፡ እቶም ኣመራርሓ ኣብ ዘልዓልዎም እዋናዊ ጉዳያት ግልፅነት ንምፍጣርን ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ ቀንዲ ጉዳያት እቲ ኮንፈረንስ ምዃኖም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኣብ ኢትዮጵያ መዋሰኒ ከባብታት ኣትዩ ክልል ሶማልን ክልል ኦሮሚያን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ምከንያት ተመዛቢሎም ኣብ ቶጎ ውጫሌ ምስ ዝርከቡ ዜጋታት ተዛትዮም፡፡

እቶም ሚኒስተር ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተዘዋዊሮም ናይ ምስራሕ መሰሎም ክኽበር መንግስቲ ከምዝሰርሕ ገሊፆም፡፡ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ክልቲኤን ክልላት ብምዃን ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ፃዕሪ እናገበረ ምኻኑን ግዝያዊ ሓገዝ ንምግባርን ብዘላቅነት ንምጥያሽ ምንቅስቃስ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ ምስ እዚ ብዝተዛመደ እቶም ሚኒስተር ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ክልል ኢትዮ ሶማልያ ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ንምጥንኻር ሕውነት እቶም ክልተ ብሄራት ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ብወገኖም መንግስቲ ብቀፃሊ ጎንፂ ከይፍጥር ከምዝሰርሕ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 125 ኣናእሽተይ ማእኸላት ፅሩይ መስተ ማይ ተሃኒፆም ንግልጋሎት በቂዖም፡፡

ኣብ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ፕሮጀክት ኣይተ ሰሎሞን ገብረፃዲቅ ከምዝገለፅዎ ንህንፀትይ እቶም ፕሮጅክታት ዝወዓለ ብር 41 ሚሊዮን ካብ መንግስቲ ፈንላንድ ዝተረከበ እዩ፡፡ በቶም ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት 23 ሽሕ ሰባት ብቀረበኦም ግልጋሎት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ተጠቀምቲ ኾይኖም እዮም፡፡ እቶም ፕሮጀክታት ፍልፍላት ማይን ብጉልበት ዝስርሑ ፖምፕታት ማይን ከምዝኾኑ እቶም መተሓባበሪ ፕሮጀክት ገሊፆም፡፡ በቶም ፕሮጀክታት ድማ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ማይ ንምርካብ ነዊሕ ጉዕዞ ብምኻድ ይባክን ዝነበረ ጉልበት ዘድሓነን ግዜኣን ቆጢበን ንካሊእ ረብሓ ከውዕሎኦ ከምዝሓገዘን ኣይተ ሰለሞን ገሊፆም፡፡

ዓበይቲ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ክዋፈሩ ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካል ተወከልቲ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡ ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ እቶም ኩባንያታት ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት ብምቅራፅ ናብ ሰራሕ ክኣትው ድልየት ከምዘለዎም ነቶም ሚኒስተር ድኤታ ኣዘራሪቦም እዮም፡፡ ሳሄር ግሩፕ፣ ኣይቲ ወርክስ፣ ሲሞናይት ኮምፖዚት፣ ቴራ ፕላንተሪ ሆልዲንግስ፣ ናሽናል ስታንዳርድ ፋይናንስን ወርክስ ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ማል ከፍስሱ ድልየት ካብ ዘለዎም ኩባንያታት እቶም ቀንዲ ቀንዲ እዮም፡፡ እቶም ኩባንያታት ኣብ ሪልስቴት ፣ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ፣መገጣጠሚ ኣውሮፕላን፣ ዘመናዊ ሕርሻ ፣ኣብ መሰረተ ልምዓት ፋይናንስ ቴክኖሎጂ ልምዓት ሓይልን ምውፋር ንምውፋር ድልየት ኣለዎም ተባሂሎም ኣሎ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ክልተ ሓወልቲ ነገስታትን ሰለስተ ጥንታዊ ገዛውትን ሕድሳት ክግበረሎም ምኻኑ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ፡፡

መንግስቲ ነፍሰ ወከፍ እቶም ሓወልትን ጥንታዊ ገዛውንትን 30 ሚሊዮን በጀት መዲቡ እዩ፡፡ ዳይሬክተር ኮምኒኬሽን እቲ ቢሮ ኣይተ ወርቁ መንገሻ ኣብታ ከተማ ዘለው ታሪካዊ ፣ባህላውን ተፈጥሮኣውን ቅርስታት እናሓደሰ ፣እናኣላለየ ሓደሽቲ መስሕብ ቦታታት እናስፍሓ እዩ ኢሎም፡፡ ሓውልትታት ኣፀይ ቴድሮስን ኣፀይ ምኒሊክን ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ በጀት ዓመት ሕድሳት ከምዝግበረሎም እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡ መንበሪ ገዛ ፈላማይ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ቢትወደድ ወልደፃዲቅ ጎሹ፣ ቤተ-መንግስት ሼክ ኦጄሌ ኣል ሓሰን ኣብዚ ሕዚ እዋን ቤት ፍርዲ ኣራዳ ኾይኑ እናልገልገለ ዘሎ ፣ነበር ቤተ ማዘጋጃ ኣዲስ ኣበባ ሕድሳት ካብ ዝግበረሎም ጥንታውያን ኣባይቲ ተፀራሕቲ እዮም፡፡ነቶም ክልተ ሓወልቲ ነገስታት ብር 6 ሚሊዮን ፣ነቶም ሰለስተ ጥንታውያን ገዛውቲ ድማ ብር 24 ሚሊዮን ንሕድሳት ተታሒዝሎም እዩ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ሃገራዊ ቤት ምኸሪ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንፌዴራል ፖሊስ ኮምሽን ኢትዮጵያ ሽልማት ኣፍልጦ ሂቡ፡፡

ኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ፌዴራል እምነ ሰረት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ካብ ዝነበር እዋን ጀሚሩ ዋርድያ ኾይኖም ደው ብምባልን ካብ ወርሓዊ ማሃይኦም ዕድጊት ቦንድ ብምፍፃም ህዝባዊ ሓላፍነቶም እናበርከቱ ይርከቡ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግድብ ህዳሰ ህንፀቱ 60 ሚኢታዊ ዝበፅሓ ኮይኑ ኣባላትን ኣመራርሓን ፌዴራል ፖሊስ ካብ 23 መጋቢት 2003 ዓ/ም ጀሚሮም ልዕሊ 180 ሚሊዮን ብር ዕድጊት ቦንድ ፈፂሞም እዮም፡፡ እቶም ኣባት ን7ይ ዙር ሓገዝ ንምግባር ቃል ዝኣተው ኮይኖም እቲ ዝተወሃበ ሸልማት ኣፍልጦ ድጋፎም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዘበረታትዖም ዋና ዳይሬክተር መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ወይዘሮ ሮማን ገብረስላሴ ተዛሪበን፡፡ሓጋዚት ኮምሽነር ኣለምፀሃይ ካሳ ብወገነን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ንሰላም ዘብዒ ንምኻን ዘመዝገብዎ ጀግንነት ኣብቲ ልምዓት ብምድጋፍ ታሪክ ሰሪሖም ክሓልፉ መልእክተን ኣመሓላሊፈን ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ መዘንኡ መንገዲ ኣየር ብራዚል ኣዙል ብራዚልያን ተጓዓዝቲ ንምቅብባል ስምምዕ ፈሪሞም፡፡

እቲ ስምምዕ ካብ 21 መስከረም 2010 ዓ/ም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን እንትኾን እዚ እውን ዓማውል ብሓደ ቲኬት ጥራሕ በረራ በፂሕካ መልሲ ክገብሩ ዘኽእል እዩ፡፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምክትል ፕሬዝዳንት ስትራቴጂክ ትልሚ ኣይተ ግርማ ሽፈራው እቲ ስምምዕ ዓማውል በቶም ክልተ መንገዲ ኣየር ዝጥቀሙ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣህጉራትን እንትነብሩ ብስግኣትን ካልኦት ተዛመድቲ ኣገልግሎት ዝሓሸ መማረፂ ክረክቡ ዘኽእሎም እዩ፡፡ ብተወሳኺ ርክብ ህዝቢ ፣ኢንቨስትመንት ፣ንግድን ከምኡ እውን ኣብ ቱሪዝም ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ብራዚልን ዘሎ ርክብ ኣብ ምጥንካር ዝለዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ስምምዕ እቲ መንገዲ ኣየር ብምትሕብባር ምስ ዝተፈላለዩ መንገዲ ኣየራት ብምስራሕ ብብርኪ ዓለም ለኸ ዘለዎ ተበፃሕነት ንምስፋሕ ዘኽእል እዩ ኢሎም ኣይተ ግርማ፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ብበረራን ብፅዕንቶን ግልጋሎት ልዕሊ 100 መብፅሒ ዘለዎ ኾይኑ ካብዚ ውሽጢ እቶም 55 ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ እዮም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

12/01/2010

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ኣድላይ ቅድመ ምድላዋት ምዝዛሙ ሕብረት ኣባ ገዳታት ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሕብረት ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኦሮሚያ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለፂ እዮም ነዚ ዝገለፁ፡፡ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ 21 መስከረም 2010 ዓ/ም ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሰላማዊ ኮይኑ ክሓልፍ ምድላዋት ተወጊኖም ኣለው ኢሎም፡፡ ነቲ በዓል ዘተሓባብሩ 300 መናእሰይ ተመሪፆም ኣለው ኢሉ ሕብረት ኣባገዳታት፡፡ ኣካቢ እቲ ሕብረትን ኣባገዳ ቱለማ በየነ ሰንበፋ ኣብቲ ክብረ በዓል ዝተዓጠቑ ፖሊሳት ከምዘይርከቡ መንግስቲ እቲ ክልል ኣረጋጊፁልና ኣሎ ኢሎም፡፡ እቶም ዝተመረፁ መናእሰይ ስራሕቲ ተፍታሽ ዘካይዱ ምዃኖም እውን ተገሊፁ ኣሎ፡፡ ኣብ 2009 ዓ/ም ኣብቲ በዓል ኣብ ምኽባር እናሃለው ንዝሞቱ ወገናት ንምዝካር ጠጠው ኣብ ዝበለ ሓወልቲ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ፀገም ስለ ዝነበሮ ክሰተኻኸል ተወሲኑ ኣሎ ምባሉ እቲ ሕብረት ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

 ኣብ ክልልና ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ 4ተ ክልላት ሃገርና ኣብ ቱሑት ብርኪ መነባብሮ ንዝነብሩ 130 ሽሕ ዜጋታት ዝሓቆፈ መርሃ ግብሪ መመሓየሽ መነባብሮ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ብትካል ሓገዝ ልምዓት ኣሜሪካ /ዩኤስ ኣይ ዲ/ ዕላዊ ዝተገበረ ኮይኑ በቲ ትካል ዝድገፍ እዩ፡፡ ንቐፃሊ 5ተ ዓመታት ዝትግበር እዩ ኢሉ ኣሎ፡፡ ኣብ 4ቲኣን ክልላት ዝርከባ 36 ደጉዓ ዝኾና ወረዳታት ንመፈፀሚ እቲ መርሃ ግብሪ 60 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ በጀት ከምዘሎ እውን ተፈሊጡ፡፡ ዳይሬክተር ተልእኾ እቲ ትካል ሊሲሌ ሬድ እቲ መርሃ ግብሪ መንግስቲ ንራብዓይ እዋን ዝትግበር ዘሎ ልምዓታዊ ፕሮግራም ሴፍትኔት ዝድግፍ እዩ ኢሎም፡፡ ሚኒስተር ድኤታ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ደመነ ዳሮታ መንግስቲ ኣብ ልምዓት ሰፍትኔት ዝጀመሮ መደብ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ እቶም ሚኒስተር ድኤታ ንስራሕቲ እቲ ትካል ኣድላይ ዘበለ ምተሕብባር ኽገብር ምዃኑ ኣረጋጊፆም ከም ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ብዝተዋደ መልክዑ ንምክልኻል ዘኽእል ሃገር ለኸ መሪሕ ትልሚ ተዳልዩ፡፡

ነቲ መሪሕ ትልሚ ንምጥንኻር ኣብ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ዛጊድ ብዝተሰርሓ መመሓየሽቲ ሕግታት ኣወዳድባታት ለውጢ እናመፀሎም እዩ ኢሉ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ፡፡ ዘይሓጋዊ ስደት ብቐንዲ ዘጋድዱ ደለልቲ ናብ ሕጊ ምቕራብን ተታሓዚ ንምግባርን ዝተሰርሓ ስራሕቲ እናተመሓየሸ ዝመፁ ዘለው ምዃኖም ኣብ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሰብኣዊ መሰላትን ፀረ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ኣይተ ዮሴፍ ጀማው ሓቢሮም፡፡ ዛጊድ ኩለን ክልላት ምምሕዳር ከተማታትን ብተናፅል ክሰርሕኦ ዝፀንሓ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ከንድቲ ዝድለ ለውጢ ኣይተመዝገበን ኢሎም፡፡ እቲ ሕዚ ተዳልዩ ዘሎ ሃገር ለኸ መሪሕ ትልሚ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንምክልኻል ዝሓሸ ውፅኢት ከምፅእ ዝኽኣለ እዩ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ብሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ዝተመርሓ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣይ ኤስ ኣይኤስ ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ብዘካየዶ ንዋታዊ ዕንወት ተሓታቲ ክኾን ይግባእ እውን ኢሉ ሎ፡፡ ዶክተር ወርቅነህ መንግስቲ ዒራቕ እዚ ጉዳይ ንዝገበሮ ምንቅስቓስ ናእዶኦም ገሊፆም፡፡ እቲ ባይቶ ነዚ ውሳነ ብሙሉእ ድምፂ ክውስን ምኽኣሉ ተግባር ግብረ ራዕዲን መኽረራይነትን ንምክልኻል ዘለዎ ግደ ዝለዓለ እዩ ኢሎም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ኣይኤስ ኣይኤስ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ኢትዮጵውያን ዝፍፀሞ ዘስካሕክሕ ተግባር ኢትዮጵያ ከምዘይትርስዖ ገሊፆም፣ እቲ ጉጅለ ብብርኪ ዓለም ስግኣት ምዃኑ ትኹረት ሂቦም ተዛሪቦም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

11/01/2010

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮሁ ምስ ሱዳናዊ መዘንኦም ኣብ ኒውዮርክ ተራኺቦም ዘትዮም፡፡

ዶክተር ወርቅነህ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዲር ኣብ ክልቲኣዊ ፣ከባብያውን እዋናውን ጉዳያት ዘትዮም፡፡ ዶክተር ወርቅነህ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ተጠርጠሮም ኣብ ቤት ህንፀት ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ክፍትሑን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ መዓልቲ ክቀላጠፍን ሓቲቶም፡፡ ፕሮፌሰር ጋንዲር ንሕቶ እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ብሰናይ ዝተቐበልዎም ምዃኖም ንሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ፀሪሑ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 ኢትዮጵያ ንባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ መመሓየሺ ሰነድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡

ኣብቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተመርሓ ኣኼባ መራሕቲ ሃገርን ላዕለዎት ሰብ መዚን ተረኺቦም እዮም፡፡ እቲ ዝፀደቐ ሰነድ ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ተልእኽኡ ንምጥንኻርን ንምምሕያሽን ዘኽአል እዩ ተባሂሉ፡፡ መመሓየሺ ውሳነ ሓሳብ ምኽባር ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት 2378/2017 ካብ ጭቡጥ ተመኩሮ ዝተሰርሓን ምስ እዋናዊ ጉዳይ ዝጠዓዓምን እዩ፡፡ ነቲ ኣኼባ ብፕሬዝዳንትነት ዝመርሑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ነቲ ሰነድ ዝሙሉእ ድምፂ ንዘፅደቑ ኣባላት ኣመስጊኖም፡፡ ተሳተፍቲ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላምን ንትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ንኢዶም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም እቲ ሰነድ 8ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ንዘዋፈረት ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ዝገበረ እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘብፀሓለን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዓለም ለኻዊ ሓገዝ የድልየን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ጎናጎኒ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘረባ ኣስሚዖም፡፡ ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር መድረኽ ተቓላዕቲ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ቅድሚያ ዝህበኦ መርሃ ግብሪ ልምዓት ውፅኢታዊ ከይኾን ዝገብር ለውጢ ኩነታት ኣየር ንኽፃወራን ክላመዳን ዝተዋደደ ዓለም ለኻዊ ሓገዝ የድልዮን ኢሎም፡፡ ኣብ ቀረባ ዘጋጠመ ድርቂ ብምዝኽኻር ኢትዮጵያ ግዳይ እቲ ፀገም ምዃናን ዝዓበያ ሃገራት ቅድሚ ሕዚ ዝኣተወኦ ቃል ከተግብራ ይግባእ ኢሎም፡፡ ብመሰረት ስምምዕ ፖሪስ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንዘርቐቅኦ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ መተግበሪ 4 ትሪልየን ዶላር ከዋፅኣ ትፅቢት ዝግበር እኳ እንተኾነ ክሳብ ሕዚ 10 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ዶላር እዩ ተበርኪቱ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ደቡብ ኮርያ ሚሳይል ብምውንጫፍ ኣብ ምትንኳይ ንትርከብ ጎረቤት ሰሜን ኮርያ 8 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ክትህብ እያ፡፡

ደቡብ ኮርያ ዝተለመቶ ሓገዝ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምሰሕሓብ ኣይተርፍን ኢላ፡፡ እቲ ሓገዝ ንዘተመጣጠነ ምግቢ ህፃናት ነብሰ ፁራትን ከምኡ እውን መዐደጊ ክታበትን ካልኦት ኣፋውስን ዝውዕል አዩ፡፡ እቲ ሓገዝ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ኣቢሉ ዝወሃብ ኮይኑ ካብ ዜጋታት ንካልኦት ወገናትን ተቓውሞ በፂሕዎ ኣሎ፡፡ ብፍላይ መሓዙት ሃገራት ጃፖንን ኣሜሪካን እቲ ሓገዝ ክወሃብ የብሉን እኳ እንተበላ ደቡብ ኮርያ ግን ፖለቲካን ሓገዝን ንፈላሊ በሃሊት እያ ይብል ሮይተርስ፡፡

 መንግስቲ ኣብ መንጎ ወሰን ከባብታት ኦሮሚያን ኢትዮ-ሶማልያን ኣጋጢሙ ዝነበረ ጎንፂ ዝበለፀ ንምርግጋዕን ናብ ንቡር ንምምላስን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስተር ጉዳያት ፌዴራልን ኣርባሕቲ እንስሳን ኣይተ ከበደ ጫኔ፡፡

ኣብቲ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኣካላት ንምፍላይን ናብ ፍርዲ ንምቅራብን ጉጅለ ምፅራይ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ናብቲ ከባቢ ምምራሑ እውን ገሊፆም፡፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብቲ ከባቢ ንምፅራይ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል እውን ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

 ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ወሰና ወሰነ ንዘጋጥሙ ጎንፅታት ክቆፃፀሩ ተስማዕሚዖም፡፡

ኣኼባ መበል 16 ሓበራዊ ወታደራዊ ኮሚቴ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ካርቱም ሱዳን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ከባቢታት ዶብ ንዝንቀሳቐሱ ፀረ ሰለም ሓይልታትን ጎንፅታትን ንምቁፅፃር ተስማዕሚዖም፡፡ ኣብቲ በቢ 6 ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ዝካየድ ሓበራዊ ወታደራዊ ኮሚቴ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ስልጠናን ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ቀንዲ ኣጀንዳ ነይሩ፡፡ ዋና ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ወፃእን ወታደራዊ ምትሕብባር ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጀኔራል ደስታ ኣብቹ ውሰና ወሰን መሕብኢ ሓይልታት ፀረ ሰላም ኮይኾን ከምኡ እውን ዝርዝር ፍፃመ ክልቲኤን ኣሓት ሃገራት ተዘትይሉ እዩ ኢሎም፡፡ ሓላፊ ዋና መምርሒ ወፍሪ ሌተናል ጀኔራል ኣብርሃ ወልደማርያም ብወገኖም ክሳብ ሕዚ ብክልቲኦም ወገናት ብዘይ ኣፈላላይ የዕመሙ ከምዘለውን ውፀኢታዊ ምንባሮምን ገሊፆም፡፡ ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት ሰላም ሃገር ዝረጋገፅ ኣብ ጎረቤት ሰላም እነትህሉ እዩ ብዝብል መንፈስ እናተሰርሓ ከምዘሎ ብምግላፅ እዚ ንምጥንኻር እውን ኣብ ሰምምዕ ተበፂሑ ኢሎም፡፡ ድሕሪ ዘተ 3 መዓልታት እታ ማጆር ሽም ሓይልታት ምከልኻል ሃገር ጀኔራል ሳሞራ ዮኑስን ሱዳናዊ መዘንኦም ጀራል ኣሚድ ኣልዲን ሙስጦፋ ዳዊ ወታደራዊ ርክብ ክለቲኤን ሃገራት ንምጥንኻር ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሞም ይበል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

ቀዳማይ ሚኒሰተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ጃፖን ኣብ ሰላምን ፀጥታን ምስ ኣፍሪካ ሓቢራ ክተሰርሕ ምውሳና ንኢዶም፡፡

እታ ሃገር ወሰነታ ወሰነ ንኣህጉር ኣፍሪካ ዝሃበቶ ትኹረት ዘመላኽት እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሪካ እውን ምስ ጃፖን ዘለዋ ርክብ ክጠናኽር ትደሊ እያ ኢሎም፡፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ጎናጎኒ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፖን ሽን ዛ ኣቤ ኣብ ዝዘተይሉ እዋን ሰሜን ኮርያ ንዝፈተነቶ ሚሳይል ኮኒኖም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽንዝ ኣቤ ብወገኖም ሃገሮም ኣብ ቐፃሊ ኣብ ተቐያሪት ኣባል ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ትኸውን ኣብ ምስፋን ሰላም ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ክተሰርሕ እያ ምባሎም ኤፍቢሲ ፀብፂቡ፡፡

10/01/2010

ፖርላማታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ምትሕብብር ፈሪሞም፡፡

እቲ ስምምዕ ንኣኼባ ፖርላማ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኣፈ-ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኢፌድሪ ኣይተ ኣባዱላ ገመዳን ኣፈ-ጉባኤ ፖርላማ ሪፐብሊክ ሱዳን ፕሮፌሰር ኢብራሂም ኣሕመድ ኡመር እዩ ተፈሪሙ፡፡ ኣፈ-ጉባኤ እተን ክልተ ሃገራት እቲ ስምምዕ ንዘመናት ዝፀንሓ ፅኑዕ ኣብ ምፍቕቓር ዝተመስረተ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ብዘተኣማምን ብርኪ ንምቅፃል ዑዙዝ ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ብምግላፅ ንተግባራውነቱ ጠመተ ሂብና ክንቀሳቀስ ይግባእ ኢሎም ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ንምስሕሓብ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ፖለቲካዊ መፍትሒ የድሊ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡፡

ኣብ መኽፈቲ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ ዘስምዑ ዋና ፀሓፊ እቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ምስሕሓብ ክልቲኤን ሃገራት እናጋደደ ምኻዱ ብምግላፅ ብዘተጋገየ መንገዲ ናብ ኩናት ክንኣቱ የብልናን ኢሎም፡፡ ማይናማር ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሮሂንጋ ዝኸፈተቶ ወፍሪ ጠጠው ክተብል ፀዊዖም፡፡ ንስምምዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ፖሪስ ዘለዎም ድጋፍ ዝገለፁ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ህቦብላን ማዕበልን ዘብፅሖ ጉድኣት ንዓለምና መጠቀቕታ ደወል እዩ ኢሎም፡፡

  ብኣፈ-ጉባኤ ተወከልቲ ህዝቢ ኢፌድሪ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ካብ መስከረም 6 ክሳብ 8 መስከረም 2010 ዓ/ም ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፖርላማ ሃገራት ኢጋድ ተሳቲፋ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ድርቂ፣ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ኣብ ሰላምን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ብተሳተፍቲ ተዛትይሎም እዩ፡፡ ኣብ ኢጋድ ኣባል ሃገር ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ክመፅእ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስን ዝርኣ ዘሎ ለውጢን ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ዝገምገመ እቲ ኣኼባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ፣ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ጎንፂ ሕዚ እውን ኣብዚ ዞባ ዘይተሰገሩ ፈተናታት ምኻኖም ኣይተ ኣባድላ ገመዳ ገሊፆም፡፡ እዞም ዕንቅፋታት ንምፅዋርን ንምእላይን ኣባላት ፖርላማ እተን ሃገራት ከምኡ እወን ቆራፅነትን ምትሕብባርን ፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ወሳኒ ምኻኑ ተዛሪቦም፡፡ ኣብዚ ዞባ ዘላቂ ሰላም ክሰፍን ፣ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ክዕገት፣ ልምዓት ክቀላጠፍ ብሓባር ምርብራብን ኣብ ዘፈር መሰረተ ልምዓት ዝተጀመረ ምትእስሳር ክጠናኸር ከምዝግባእ ኣብቲ ኣኼባ ተዘትዩ እዩ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ግዝኣት ኢድሊብ ን4 ሆስፒታላት ዒዓላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ፡፡

ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኩናት ዝዕዘቡን ጉጅለ ምድሓን ሂወትን ከም ዝገለፆ በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ምሟቶም ብርክት ዝበሉ ድማ ቆሲሎም፡፡ በቲ መጥቃዕቲ ናውቲ እቶም ሆስፒታላት ከምዝዓነውን ጉደኣት ከምዝበፅሖምን ዝሞቱን ሰራሕተኛታት ከም ዝርከብዎም ገሊፆም፡፡ ግዝኣት ኢድሊብ ከንፊ ኣልቃይዳ ዝኾኑ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሹ ዕጡቓት ተቆፃፂሮማ ይርከቡ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡

 ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣምሓራ ብኣዴን ትኹረት ኣንፈታት 2010 ዓ/ም ብምቕማጥ ተዛዚሙ፡፡

ካብ 4 ክሳብ 9 መስከረም 2010 ኣብ ባህርዳር ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካየደ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ዓወታትን ደረጃ ኣብ 2009 ዓ/ም ዝተጀመረ ምንቅስቃስ ተሃድሶን ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረት ጌሩ ዘትዩ፡፡ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብቲ ኣኼባ ተሳትፎን እጃምን ኣመራርሓ እቲ ውድብ፣ ኣብ መሓውር መንግስቲ ዘለው ድኽመታት ጥንኩር ጎኒ ኣፈፃፅማ ሃገራውን ክልላውን ትልምታት ተገምጊሞም እዮም ኢሎም፡፡ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ቃልሲ ክራይ ኣካብነትን ግዕዝይናን ፣ትምክሕትን ከምኡ እውን ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ፀገማት ኣብ ምምላስ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ገምጊሙ ኢሎም፡፡ ኣብ ኣዋሳን ወረዳታት ጠገዴን ፀገዴን ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ማእኸል ጌሩ ብዘላቕነት ከምዝተፈትሓ ዝሓበሩ አይተ ደመቀ መንግስቲ ክልቲኤን ክልላት ንዘርኣይዎ ተበግሶ ንኢዶም፡፡ ኣብ ሕቶ ቅማንት እቲ ክልል እናፈትሓ ከምዝፀንሓ ብምግላፅ ውሳነ ህዝቢ ኣብ ዘድልዮም ድማ ክወሃብ ብምግባር ሕቶ ህዝቢ ቅልጡፍ ምላሽ ከምዘድሊ ብኣዴን ዝተመሃረሉ እዩ ኔሩ ኢሎም ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ብዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን መራሸቢ ሓፋሽ ንፌዴራላዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ንህውከት ዘለዓዕሉን ፀብፃባት ካብ ምስራሕ ክቁጠብ ኣጠንቂቁ፡፡

እቲ በዓል መዚ ናብ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኸ መግለፂ ኣብ መብዛሕቲኦም መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝተፈላለዩ መንገዲ ንስርዓት ፌዴራልን ሓድነት ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኣብ መንጎ ህዝብታት ንምጥርጣርን ጎንፂ ዘለዓዕሉ መግለፅታትን ፀብፃባትን ናይ ምፍናው ሓደገኛ ኩነታት ይርኣ ከምዘሎ ገሊፁ፡፡ ክሳብ ሕዚ ዝተርኣዩ ፀገማት ትምህርቲ ዝውሰደሎም ኩነታት ክመቻቾ እዩ ዝበለ እቲ በዓል መዚ ትሕዝቶኡን ፍልፍሉን ትክክለኛን ሚዛናውን ዘይኮነ መረዳእታ ናብ ህዝቢ ምፍናው ክልኩል እዩ ኢሉ፡፡ እዚ ሓሊፉ ዝተረኸበ ኣካል ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኾን ብምግላፅ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሰላም፣ ልምዓት ከምኡ እውን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ትፅቢት ዝግበረሎም ክፍፀሙ ፀዊዑ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ምምሕዳር ከተማ መቐለ ጉዳይ ፅሬት ከተማና ቁልፊ ትኹረት ሂቡ ይንቀሳቐስ ኣሎ ኢሎም ከንቲባ ዳንኤል ኣሰፋ፡፡

ኣካል እዚ ምንቅስቓስ ዝኾነ ወፍሪ ኣብ ኩለን ክፋላት ከተማ ከተማና ተሳሊጡ ኣሎ፡፡ ድሕሪ እቲ ወፍሪ ፅሬት መልእኽቲ ዘሕለፉ ከንቲባ ዳንኤል ኣሰፋ ኣብቲ ናይ ሎሚ ወፍሪ ንዝተሳተፉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ፣ኣባላት ፖሊስ ፣ፍሉይ ሓይሊ ፣ፖሊስ ፌዴራልን ኣካላት ሚዲያን ኣመስጊኖም፡፡ ከንቲባ ዳንኤል ከተማና ፅሪቲ ፣ንምንባር ምችውቲ ማእኸል ኢንቨስትመንትን ንምግባር መላእ ሕብረተሰብ ንስራሕቲ ፅሬት ትኹረት ብምሃብ ብቐፃልነት ከባቢኡ ከፅሪ ሓደራ ኢሎም፡፡

 ኣብ 2016 መብዛሕቲኣን ደቂ ኣንስትዮ ዝኾና ኣስታት 40 ሚሊዮን ሰባት ዓለምና ኣብ ዘበናዊ ባርነት ሓሊፎሞ ኢሉ ሓደ ፀብፃብ፡፡

ብምትሕብባር ዓለም ለኸ ማሕበር ሰራሕተኛታት ILOን ፋውንዴሽን ዎክ ፍሪን ዝተፀነዐ መፅናዕቲ ከምዘመላክቶ ኣብ 2016 ዓመተ ፈረንጂ ጥራሕ 25 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ኣገዳዲ ስራሕ ተዋፊሮም 15 ሚሊዮን ድማ ብፀቕጢ ተመርዕዮም፡፡ ካብቶም ብዘበናዊ ባርነት ዝተጠቕዑ እተን 29 ሚሊዮን ማለት 71 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዩ እየን፡፡ እቲ መፅናዕቲ ካብ 5 ክሳብ 12 ዓመት ዝርከቡ 152 ሚሊዮን ህፃናት ድማ ኣብ ኣገዳዲ ስራሕ ተዋፊሮም ኣለው ይብል ኢሉ ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡

 ቤት ምኽሪ ቀዳማይ ወያነ ንኹሎም ኣከብቲ ቀወምቲ ኮሚቴ ኣመሓደርቲ ጣብያ ስልጠና ሂቡ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝርከቡ ኣከብቲ ቀወምቲ ኮሚቴ ኣርባዕቲኣን ጣብያታት ከምኡ እውን ኣመሓደርቲ ኩለን ጣብያት ኣፈ ጉባኤታትን መዳርግቲ ኣካላትን ናይ ኣፈፃፅማ መደብ 2009 ዝነበረ ጠንካራን ደካማን ጎንታት ገምጊሞም፡፡ ኣብቲ ገምጋም ኣብ 2010 ዓ/ም ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለመዳያዊ ፃዕሪ ከምዝገበሩን ኣብ ጠንኪሮም ከምዝሰርሑ ዘለዓዓል ገምጋማዊ ስልጠና ምንባ ገሊፆም፡፡ ኣፈ ጉባኤ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ወይዘሮ የማርውሃ ልጅሻል ኣባላት ህዝቢ ዝሃቦም ሓላፍነት ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዘለዎምን ፀገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ክሳብ መወዳእታ ብምብፃሕ ንክፈትሑ ፃዕሪ ክገብሩ ከምዘለዎምን ኣብቲ ገምጋማዊ ስልጠና ሓቢረን እየን ይብል ካብቲ ክፍለ ከተማ ዝመፀና ሓበሬታ፡፡

09/01/2010

ኣብ መንጎ ኣካራይን ተካራይን ዘጋጥም ጎንፂ ዝፈትሕን ኣብ ዋጋ ክራይ ገዛ ኢድ ኣእታውነት ደላሎ ዘትርፍን ረቂቕ ኣዋጅ ኣብዚ ዓመት ፀዲቑ ኣብ ስራሕ ክውዕል እዩ ተባሂሉ፡፡

ተኻረይቲ ኣካረይቲ በቢ ግዚኡ ብዝውስኽዎ ዋጋ ክራይ ከንፀርፅሩን ናብረኦም ከክብዶ ከም ዝፀንሓን ይገልፁ፡፡ ኣብ ዝተኻረይዎ መሰል ከይህለዎም ምግባር፣ ገደብ ሰዓት መእተዊ ምቕማጥ ካብቶም ዝቐረቡ ፀገማት እዮም፡፡ ደላሎ ኣብ መንጎ ብምእታው ዋጋ ምውሳን ፣ ሓድሽ ተኻራይ ንምእታው ንነባር ዋጋ ምውሳኽ ዝብሉ ካልኦት ዝፀንሑ ፀገማት እዮም፡፡ ብሰንኪ ተኻረይቲ ዝተኻረይዎ ከም ገዝኦም ዘይምርኣይ ገዛ ኽራይ ብእዋኑ ዘይምኽፋል ፣ኣብቲ ገዛ ዘየድሊ ተግባር ምፍፃም፣ ከባቢ ምህዋኽን ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፍካ ምክራይን ዝርኣ ፀገማት እዮም፡፡ ኣብ ሚኒስተር ልምዓት ከተማን ኣባይትን ላዕለዋይ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ኢትዮጵያ በጂታ ነዚ ዘትርፍ ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝተዳለወ ገሊፆም፡፡ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብክልቲኦም ወገናት ዝቐርብ ቅሬታታት ንምድናይ ዘኽእል ኮይኑ ዝካረ ገዛ ንጉድኣት ኣካል ዝምቹ ናይ ውልቀ ወይ እውን ሓበራዊ ሽቓቕ ከምኡ እውን ክሽነ ክህልዎ ይግባእ፡፡ ኣካራይ ካብ 3 ወርሒ ንዓቐብ ቅድሚያ ክፍሊት ክሓትት ከምዘይብሉ ዝድንግግ ኮይኑ ውዕሊ ከይተዛዘመ ክራይ ከይውስኽን እንተወሲኹ እውን ልዕሊ 10 ሚኢታዊ ክኾን የብሉን ይብል፡፡ ተኻራይ ድማ ንዝተኻረዮ ብፅሬትን ጥንቃቐን ክሕዝ እንትወፅእ እውን ከምዝነበሮ ክሓድግ ይድንግግ፡፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝበፅሓ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብዚ ዓመት ክፀድቕ ትፅቢት ይግበር ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ክልል ደቡብ ዝተኻየደ ዓሚቕ ተሃድሶ ጭቡጥ ለውጢ የምፅእ ኣሎ ኢሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ዲሞክራያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ ዲኢህዴን ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣይተ ተስፋይ በልጅጌ ድሕሪ ን5 መዓልታት ዝተኻየደ ገምጋም ቀፀልቲ ኣንፈታት ዘመላከተ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምንቅስቃስ ዓሚቕ ተሃድሶ ዘቐመጦም ቀንዲ ቀንዲ ሽቶታት ኣብ ምዕዋት ይርከቡ ኢሎም፡፡ ንሓድነት ህዝብታት እቲ ክልል ዝፃብኡ ኣረኣእያ ፀቢብ ብሄርተኝነት ግንዛበ ክፈጥር ከምዝተገበረን ክሳብ መሓውር ወረዳን ዞባን ሕቶ ዘልዐለ ፀቢብነት ጎንፅታትን ምንባሮም ብምዝኽኻር ብዝተሰርሓ ስራሕ ግን ንምፍጣር ሓደ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ዕድል ይፈጥር ከምዘሎ ከምዝተገምገመ ገሊፆም፡፡ ብመዳይ ምክልኻል ግዕዝይና 672 ኣመራርሓ ክሕተቱ ከምዝተገበረን ኣስታት 52 ሚሊዮን ንብረት ህዝብን መንግስትን ክምለስ ከምዝኽኣለን ገሊፆም፡፡ 2010 ዓ/ም መበል 25 ዓመት ኢዮቤልዮ ብሪ እቲ ውድብ ዝኽበረሉ ብምዃኑ ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ናህሩ ሓልዩ ክቕፅል ብዝኽእል መልክዑ ክኽበር እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ንምዕዋት ትልሚ ምሃብ ሰነድ ትሕዝቶ መሬት ከተማ 91 ከተማታት ሃገርና ካብ ደቡብ ኮርያ ልምዲ ይወስድ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ኤጀንሲ ምዝገባ ንብረትን መረዳእታን መሬትን መሬት ተንከፍን ፌዴራል ምስ ምምሕዳርን ጂኦስፖሽል ኢንፎርማቲክስ ኮርፕሬሽን ደቡብ ኮርያ ብምትሕብባር ካብ ክልላት ንዝተውፃፅኡ ሰብ ሞያ መሬት ስልጠና ይወሃብ ኣሎ፡፡ ኣብ ካልኣይ ትልምን ዕቤትን ሰግግርን 91 ከተማታት መረጋገፂ ትሕዝቶ መሬት ንምሃብ ዝተለመ እቲ ኤጀንሲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 11 ከተማታት ሕጋዊ መረጋገፂ ትሕዝቶ መሬት ምሃብ ተጀሚሩ ኣሎ፡፡ ደቡብ ኮርያ ካብቲ ስልጠና ብተወሳኺ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ቅየሳ መሬት ድጋፍ ክትገብር እያ ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ሓገዝ ዝቕበሉ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ተቐቲሎም፡፡

እቶም ብኽልተ ፈፀምቲ ለኪምካ ምጥፋእ ዝተፈንጀሩ ነቶግቲ ን43 ሰባት እውን ኣቑሲሎም፡፡ ፈፀምቲ እቲ መጥቃዕቲ ክልቲኣን ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ ተዘይሃለወ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝፍፀም ጉጅለ ዕጡቕ ቦካሓራም ክኾን ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብቦክሓራም ተጨውየን ካብ ዝነበራ ልዕሊ 100 ሓራ ክወፃ ፃዕሪ ጌሮም እዮም ዝተበሃሉ በዓል ሞያ ሕጊ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሸሊሞም፡፡ ናንሰን ዝተበሃለ እቲ ሽልማት ዝሓለፈ ዓመት ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ንዝተዋፈሩ ልዕሊ 2 ሽሕ ዓርሰ ፍቃደኛታት እዩ ተዋሂቡ ኔሩ ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ፡፡

ፕሬዝዳንት ሱዳን ኡመር ሓሰን ኣልበሽር ሰራዊት ምክልኻል ሃገርና ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን እዚ ዞባ ንዘበርከቶ እጃም ዝለዓለ ሓላፍነት ንዝነበሮም ጀኔራል ሳሞራ ዩኑስ ዝለዓለ ወታደራዊ ኒሻን እታ ሃገር ኣበርኪቶምሎም፡፡

10 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ዓቃቢ ሰላም ብምውፋር ካብ ዓለም ብቐዳምነት ትፅራሕ ሃገርና መፍትሒ ዘይብሉ ዝተበሃለ ጎንፂ ኣብዮ ንምቁፅፃር ብክልቲኤን ሱዳናት ዝተመረፀን ተልእኽኡ ብብቕዓትን ብተኣማንነትን ከምኡ እውን ብዘይ ወገናውነት ዝፍፅም ሰራዊት ሃኒፃ እያ፡፡ ነዚ ሰራዊት ኣመራርሓ ብምሃብ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝነበሮም ኤታማጆር ሽም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀኔራል ሳሞራ ዮኑስ ካብ ፕሬዝዳንት ሱዳን ዑመር ሓሰን በሽር ዝለዓለ ወታደራዊ ኒሻን ተሸሊሞም ኣለው፡፡ እቲ ሽልማት ሰራዊት ኢፌድሪ ንዘመዝገቦ ኩለመዳያዊ ዓወት ዝተበርከተ እዩ ዝበሉ ጀኔራል ሳሞራ ዮኑስ እቲ ሽልማት ምርካብና ዝለዓለ ሓበን ይስመዐና ኢሎም፡፡ ሰራዊትን ንድሕንነት ዞባና ኮነ ዓለምና ዝገበሮ ኣበርክቶ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ሰላም፣ ምርግጋዕን ድሕንነትን ተዘይሃልዩ ልምዓት ኮነ ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤትን ኣይመፅእን ዝበሉ ጀኔራል ሳሞራ ዮኑስ ብመሰረት ስትራቴጂ ፖሊስን ርክብ ወፃኢ ሃገር ሰራዊትና ንድሕንነት ዓለም ዘበርከቶ እጃም ከጠናኸር እዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ፡፡

8/01/2010

ብብርኪ ሃገር 11 ማእኸላት ላባራቶሪ መፈተሺ ፅሬት ናውቲ ህንፀት ክጣየሹ እዮም፡፡

እቶም ማእኸላት ላባራቶሪ ንምዕባይ ዓቕሚ ምምሕዳር ፕሮጀክታት ህንፀት ዝሕግዙ እዮም ኢሉ ሚኒስተር ኮንስትራክሽን፡፡ እቲ ሚኒስተር ዓብይን ዝለዓለን ቴክኖሎጅ ዝጠልቡ ፕሮጀክታት ዘፅንዑን ቅዲ ዝቕይሱን ማእኸላት ኣብ ምጥያሽ ዘሎ ኾይኑ ካብዚ ብተወሳኺ ዘፈር ቴክኖሎጅ ህንፃን ማእኸላት ብቕዓት ሓይሊ ሰብን ንምጥያሽ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊፁ፡፡ ዓቕሚ ህንፀት ዘማዕበሉ ማእኸላት ስልጠና ንምጥያሽ ንዝሃቀኑ ትካላት ድጋፍ ከም ዝግበረሎም እውን ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ግርዛት ጓል ኣንስተይቲ ብብርኪ ሃገር ብ16 ሚኢታዊ ነክዩ ኢሉ ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና፡፡

ሚኒስተር እቲ ሚኒስተር ፕሮፌሰር ይፍሩ ብርሃን ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተገበረ መፅናዕቲ ምርግጋፁ ብምግላፅ ነዚ ዝዓበየ እጃም ዝወስድ ግንዛበ ሕብረተሰብ ብምዕባዩ እዩ ኢሎም፡ ኮይኑ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ተጠቃምቲት መዐወኒ ሓሽሽን ምስ ኣመጋግባ ተኣሳሲሩ ምንቅስቓስ ኣካል ዘይምግባርን ስዒቡ ካልኦት ፀገማት ጥዕና ይፈጥሩ ኣለው ኢሎም፡፡ ሕብረተሰብ ነዞም ፀገማት ንምክልኻል ክስራሕ ከምዘለዎ ፕሮፌሰር ይፍሩ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ይበል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ መበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ኣትዩም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ እንትኾኑ ጎናጎኒ እውን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ መንግስቲ ኣኼባ ከካይዱ እዮም፡፡ ኣብ ዝህልዎም ዝርርብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ፣ ከባብያዊ ኩነታት ፀጥታን ሰላምን ከምኡ እውን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ትኹረት ዝገበረ እዩ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ጉዳይ ሰላም ዝዝቲ እንትኾን ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዚ ወርሒ ብምዃና እቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ክመርሕዎ እዮም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ልዕሊ 120 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ማእኸል ሕክምና ልብን ሰራውር ደምን ሆስፒታል ሚሊንየም ሜዲካል ኮሌጅ ቅድስ ጳውሎስ ተመሪቑ ብዕሊ ስራሕ ጀሚሩ፡፡

እቲ ኣብ ቀፅሪ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅድስ ጳውሎስ ዝተሃነፀ ማእኸል ዘመናዊ ናውቲ ሕከምና፣ ራጅ፣ መሀረስን ክፍልታት መጥባሕትን ብሓፈሻ 24 ክፍልታት ዝሓዘ እዩ፡፡ ኣብቲ ማእኸል ዝኣተው ናውትታት ንምግጣም 6 ኣዋርሕ ዝወሰደ ኾይኑ እቲ ማእኸል ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ክሳብ 30 ተሓከምቲ ዘተኣናግድ እዩ፡፡ ሚኒስተር ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ፕሮፌሰር ይፍሩ ብርሃነ ክሳብ ሕዚ ሕክምና ልቢ ኣብ ሆስፒታል ዓይደርን ጥቁር ኣንበሳን ጥራሕ ይወሃብ ብምንባሩ ንተበፃሕነት ሕክምና ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም፡፡ ኣብ ሃገርና ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ዜጋታት ደለይቲ ሕክምና ልቢ ኣለው ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

06/01/2010

ፍልስፍና ኣመራርሓ ስራሕ ካይዘን ኣብ ኢትዮጵያ ምትግባር ካብ ዝጀመረሉ 5 ዓመታት ውሽጢ ልዕሊ 2 ቢሊዮን ብር ካብ ብኽነት ድሒኑ ኢሉ ኢንስትቲዩት ካይዘን ኢትዮጵያ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስትቲዩት ኣይተ መኮነን ያዩ በቢ ዓመቱ ወርሒ መስከረም ንዝካየድ ምልዕዓል ፍልስፍና ኣመራርሓ ካይዘን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ድሕሪ ተግባር ብዙሓት ለውጥታት ከምዝተመዝገቡ ብምግላፅ ኣብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ጥራሕ ኣብ ዝተጨናነቐ ቤት ፅሕፈት ዝነበራ ዝነበሩ ትካላት 16 ሽሕ ካሬ ሜትር ናፃ ቦታ ስራሕ ክረኽቡ ምኽኣሎም ተዛሪቦም፡፡ ኣብቲ በጀት ዓመት እቲ ኣሰራርሓ ካብ ዝተገበሩ ትካላት 291 ሚሊዮን ብር ካብ ብኽነት ክድሕን ምኽኣሉ ዝገለፁ ኣይተ መኮነን ኢኒስቲትዩቶም ምስ ዩንቨርስቲ መቐለ ብምትሕበባር ኣብ ካይዘን ዘተኮረ ብፅሬትን ውፅኢታውነትን ኣመራርሓ ስለጠና ካልኣይ ድግሪ ይወሃብ ኣሎ ኢሎም፡፡ ፀገም ቁርፀኝነት ኣመራርሓን ኣብ ኣረዳድኣ ዘሎ ፀገምን እቲ ፍልስፍና ብዝሓሸ ውፅኢታዊ ከይኸውን ጌርዎ እዩ ኢሎም ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

 ኣብ መንጎ ክልላት ኢትዮ-ሶማልያን ኦሮሚያን ዘጋጠመ ጎንፂ መከላኸሊ ሰራዊትን ፖሊስ ፌዴራልን ምስ ሓይልታት ፀጥታ እተን ክልላት ብምትሕብባር ይቆፃፀሮ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡

እቲ ጎንፂ ብምብጋስ ሂወት ክጠፍእ ንብረት ክዓኑን ሰባት ክፈናቐሉን ምኽንያት ዝኾኑ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም እውን ኢሉ፡፡ ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ክልቲኤን ክልላት ዝነበረ ሕቶ ይግበኣኒ ወሰን ስዒቦም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ጎንፅታት ብመንግስቲ ፌዴራልን ምርድዳእ ክልቲኤን ክልላትን ብህዝቢ ውሳነ መዕለቢ ክረኽቡ ምንቅስቓስ ክካየድ ፀኒሑ እዩ ኢሉ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን መበገሲኡ ብዕሊ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ጎንፂ ከም ዝተልዓለ ዝገለፁ ሚኒስተር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ነገሬ ሌንጮ ዝበኣሰ ሓደጋ ቅድሚ ምብፅሑ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ምስ ኣካላት ፀጥታ እተን ክልላት ብምትሕብባር ይቆፃፀርዎ ኣለው ኢሎም፡፡ ዋላ እኳ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጎንፂ ኣብ ቁፅፅር ይውዕል እንተሃለወ ጠጠው ኢሉ እዩ ምባል ከምዘይካኣል ብምግላፅ ሕዚ እውን ካብ ክልቲኤን ክልላት ዝፈናቐሉ ዜጋታት ኣለው ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

05/01/2010

ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ፅዕንቶ ንዘሕድራ ጎረባብቲ ሃገራት ትኹረት ሂብካ ከም ዝስራሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡፡

ኣብ ቐፃሊ ትኹረትን ትልምን እዚ በጀት ዓመት ኣድሂቦም ሰሙናዊ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስተር ኣይተ መለስ ኣለም ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘፈራት ኢኮኖምያዊ ዲፕሎማስን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ውፅኢታዊ ስራሕ ወጊና እያ ኢሎም፡፡ ጎናጎኒ እውን ውክልናኣን ተደማፅነትን እናዓበየ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ወሃቢ ቃል ኣብ በጀት ዓመት ኣብ ክልቲኣውን ሓበራውን ርክብ ወፃኢ ንሃገራዊ ረብሓ ብዝሕሉ መልክዑ ተጠናኸሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡ ምጥንኻር ኩለመዳያዊ ርክብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዘሎ ኮይኑ ንርክብ ንኢኮኖምያዊ ዲፕሎማሲ ቅድምያ ክወሃብ እዩ ኢሎም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንኽፍታሕ ከምትሰርሕ ብምግላፅ ስራሕ ዕድል ዝፈጥሩ ኢንቨስተራት ክዕደሙ ሃገርና መዕረፎ በፃሕቲ ዓዲ ንምግባር ዝግበር ምንቅስቓስ ቀንዲ ትኹረት ዲፕሎማሰኛታት ሃገርና እዩ ኢሎም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባል ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣዶ ወንበር ኢጋድ ቀንዲ ተዋሳእትን መንበርን ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ዘለዋ ተሳትፎ ኣጠናኺራ ክትቕፅል እያ ኢሎም ይብል ፀበፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

ኣብ ሓለዋ ጥዕና ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምፃእ ዝሕግዝ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ጥዕና ኣብ 200 ኣብያተ ትምህርቲ ብብርኪ ፈተነ ተግባራዊ ከምዝግበር ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ገሊፁ፡፡

እዚ ዝተገለፀ ብምትሕብባር ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኣሜሪካን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ምስ ዝርከብ ዩንቨርስቲ ጆንሆፕኪንስ እናካየደ ኣብ ዘሎ ጉባኤ እዩ፡፡ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚኒስተር ኣተሓባባሪ ጉጅለ ጥዕና ኣዴታት ህፃናትን ኣይተ ስንታዮሁ ኣበበ ከም ዝገለፅዎ ፣እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝተተሓዘ ወርሒ ብብርኪ ፈተነ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ተግባራዊ ክግበር እዩ፡፡ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ መፈለምታ 6 ኣዋርሕ ኣብ 200 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝትግበር ዝገለፁ እቶም ኣተሓባባሪ ፣ኣብ ዝቕፅል 6 ኣዋርሕ ድማ ካልኦት 200 ትምህርቲ ብምሕዋስ ብሓፈሻዊ ኣብ 400 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝተካተቱ ተዘራሪቦም፡፡ ኣይተ ስንተራሁ 37 ሚሉዮን ዜጋታት ኣብ ማኣዲ ትምህርቲ ዝርከቡ ብምዃኖም ንቡዙሓት ዜጋት ኣብ ዙርያ ጥዕና ግንዛበ ኣብ ምፍጣር መዳይ እቲ መርሃ ግብሪ ዑዙዝ ኣበርክቶ ኣለዎ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ከይዲ ምትግባር ዝምዝገቡ ውፅኢታት ብምእታው ብምጉልባት እቲ መርሃ ግብሪ ካብ መውዓለ ህፃናት ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆመ ይብል ፀበፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ንዕውትነት ዘመነ ትምህርቲ 2010 ዓ/ም ካብ ሶኒ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ምስ ማሕበረሰብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘተ ከምዝሳለጥ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ዝተካየዱ ተከታተልቲ ዘተታት ኣብቲ ዘፈር ዘለው ፀገማት ንምፍታሕን ንምጉልባት ፅቡቓት ጎንታት ዝለዓለ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ፡፡ እዚ ኣበርክቶ ንምቅፃል ድማ ካብ 8 መስከረም ክሳብ 15 ዝቕፅል ዘተ ምስ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ክሳለጥ እዩ፡፡ እቲ ሚኒስተር ካብ ሰኑይ ዝጅምር ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እቲ ዘተ ቅነ ትምህርቲ ሰልጠናን ብዝብል ብብርኪ ሃገር ለኸ ኣብ ኩሎም ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ትካላት ሞያን ቴክኒክን ትምህርቲ ስልጠናን ዘተን ከም ዝካየድ ገሊፁ፡፡ ኣብቲ ዘተ መምህራን ወሃብቲ ሓገዝ ፣ኣመራርሓ ትምህርትን ሰብ ሞያ ቴክኒክን ከምዝተሳተፉ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ፡፡ ነቲ ዘተ ዝተሓረዩ ዛዕባታት ድማ ህዳሰ ሃገርና ንምርግጋፅ ግደ መምሃራን እንታይ ክኾን ይግባእ ዝብል ዛዕባ ጠመተ ዝዋሃቦም ጉዳት ሓደ እንትኾን እዚ ድማ ኩሉ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ንክግንዘብ ክገብር እዩ ተባሂሉ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

 ኣብ ዘቕፅሉ 7 ዓመታት ፅሩይ ዝስተ ማይ ናብ መላእ ኢትዮጵያ ክባፃሕ እዩ ኢሉ ሚኒስተር ማይን መስኖን ኤሌክትሪክን፡፡

ብመሰረት ፀብፃብ እቲ ሚኒስተር ክሳብ መወዳእታ ዓመት 2009 ካብ 100 ሚሊዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ 65 ሚሊዮን ጥራሕ እዩ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝረክብ፡፡ ሚኒስተር እቲ ሚኒስተር ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ንኣልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕተት ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ገጠርን ከተማን ንምብፃሕ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝተሰርሓ ስራሕ ንምዕዋት ዝተተሓዘ ትልሚ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ፡፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ገጠር 1 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትር ተጓዓዝካ 15 ሊትሮ ማይ ዝርከብ ዝነበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 1 ኪሎ ሜትር 25 ሊትሮ ማይ ይርከብ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ኪሎ ሜትር ንሓደ ሰብ 20 ሊትር ማይ ዝርከብ ዝነበረ እንትኾን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣቕርቦት ማይ ቡንቧ ክህሉ ወይ ድማ ኣብ ሓፂር ርሕቐት ክርከብ ብምግባር ንውልቀ ሰብ ካብ 40 ክሳብ 100 ሊትሮ በፂሑ ኣሎ ኢሎም፡፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ካልኣይ ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ኣብ ገጠር ካብ 1 ኪሎ ሜትር ብዘይ በልፅ ርሕቐት ንነፍሲ ወከፍ 25 ሊትሮ ማይ ብምርካብ ሽፋን ማይ 85 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ካብዚኦም 20 ሚኢታዊ ማይ ቡንቧ ክጥቀሙ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ፡፡ ኣብ 5 ደረጃ ዝኽፈላ ከተማታት ካብ 40 ክሳብ 100 ሊትሮ ክረኽባ ብምግባር ሽፋን ፅሩይ ዝስተ ማይ 75 ሚኢታዊ ክበፅሕ ተተሊሙ ይስራሓሉ ኣሎ፡፡ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ ካብ 2000 ዓ/ም ጀሚሩ ብፌዴራልን ክልልን ዝሰርሑ ዘለው ንመቐለ ሓዊሱ ፕሮጀክታት ማይ 15 ከተማታት ን2 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ዜጋታት ተጠቃሚ ዝገብሩ ይሳለጡ ኣለው ኢሎም ይብል ፀብፃብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡

04/01/2010

ንኡስ ሓይሊ መከፋፈሊ ናቑጣታት ኤሌትሪክ ኣበ ታሕሳስ ወርሒ ከም ዝዛዘም ተፍሊጡ፡፡

ህንፀት ኣብ ምስራሕ ዝረከቡ 21 ንኡስ ሓይሊ ኤሌትሪክ መከፋፈሊ ጣብያታት መተሓላለፊ ሓይሊ መስመራት ምምሕያሽን ሓደሽቲ ስራሕትን ህንፀቶም ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ታሕሳስ ወርሒ ከም ዝዛዘም ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጰያ ገሊፁ፡፡ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብዝተረኸበ 200 ሚልዮን ኣሜሪካ ዶላር ሓገዝን ልቃሕን እንትህነፅ እቶም ፕሮጀክታት ካብ ዝሓለፉ ዓመት ብክፍሉ ግልጋሎት እናሃቡ ይርከቡ፡፡ ህንፀት እቶም 21 እናእሽተይ ናቑጣታት 943 ኪ.ሜ ዝጓዓዝ በዓል 230 ኪሎ ቮልት ሓይሊ መተሓላለፊ መስመራት ምምሕያሽን ሓደሽቲ ህንፀት እውን ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ፡፡ ምምሕያሽ እቶም ህንፀታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝትግበር እንትኾን ፅፍት ሓይሊ ኤሌትሪክን ተበፃሕነትን ዘስፋሕፍሑን ከምኡ እውን ንፖርክታት ኢንዱስትሪ ተወሳኺ ሓይሊ ዘቅርቡ ምዃኖም ተገሊፁ፡፡ መተሓባበሪ እቲ ትካል ዝኾኑ ኣይተ ውድነህ የማነ ከም ዝበልዎ ህንፀት እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ዝተተትሓዘሎም ግዜ ከም ዝዘዛሙን ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ፀገም ቀረብ ሓይሊ ምቅላል ዝኸእሉ ምኳኖም ሓቢሮም፡፡ ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ዋና ዳይሬክተር ዶ/ር ካሌብ ወጋሮ ብወገኖም እቲ ባንኪ ቀዳምነት ሂቡ ካብ ዝትግበሮም ስራሕቲ ሓይሊ ኤሌትሪክ እቲ ቀንዲ ምኳኑ ሓቢሮም ከም ፀብፃብ ኢዜኣ፡፡

 ሹመት ንዝተውሃቦም ኣምባሳደራት ስልጠና ምሃብ ተጀሚሩ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ንሓደሽቲ ዝተሸወሙ ኣምባሳደራት ስልጠና ዝጀመረ ኣብ ጉዳያት ወፃእን ፖሊሲ ሃገራዊ ድሕንነትን ጉዳያት እዩ፡፡ ብተወሳኺ እቶም ኣምበሳደራት ናብ ዝተሸሙዎ ሃገራት እንትትከዱ እቲ ዝድልዮም ዓቅሚ ምድርዳር፣ኣብ ናይ ኢኮኖምን ህዝባዊ ዲፕሎማስን ዘለዎም ዓቕሚ ንምዕባይ እቲ ስልጠና ከም ዝውሃቦም እቶም ሚኒስተር ኣፍሊጦም፡፡ -በዓል ሙሉእ ስለጣን ኣምባሳደር ካሳ ተከለብርሃን ኣብ ኣሜሪካ -በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ዋሽንግተን -በዓል ሙሉእ ስልጣና ኣምባሳደር ኣስቴር ማሞ ኣብ ቻይና ቤጄንግ ዝርከብዎም 12 ኣምባሳደራት ክሰርሑ ምምዳቦም ሚኒስተር ጉዳያትወፃኢ ኣብቀረባ እዋን ምግለፁ ይዝከር ከምፀብፃብ FBC፡፡

 ጉባኤ ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ ምንቅናቅ ብሄረ ኣሞሓራ በኣዴን ሎምዓንቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተጀሚሩ፡፡

ክሳብ 8 መስከረም 2010 ዓ/ም ዝፀንሕ ጉባኤ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ቀንዲ ቐንዲ ስራሕቲ ልመዓትን ውድባዊ በጀት ዓመት 2009 ብምዝታይ ውሳነ ከመሓላልፍ ተባሂሉ ትፅቢት ይገበረሉ፡፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ኣይተ ኣለምነው መኮነን ሎማዓንቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዊ መብርሂ ከም ዝበልዎ እቲ ኮሚቴ ኣብ 4 ኣጀንዳታት ተመሰሪቱ ዘተ ከም ዘካይድ እቲ ውድብ ኣብ በጀት ዓመት 2009 በቢ ብርኩ ዝተኸየደ ምንቅናቅ ብዕምቆት ተሃድሶ ከመይ ከም ዘተመርሐን ዝመፁ ለውጥታትን ዝተረፉ ዛዕባታትን ብምኻር ውሳነ ከም ዝሕልፍ ገሊፆም፡፡ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ማሕበራዊ ልምዓትን ኢኮኖሚን ዘተ ብምግባር ጥንኩር ኣፈፃፅማ ንቐፃሊ ኣካል እቲ ትልሚ ኮይኑ ከም ዝቅፅልን ዝተርኣዩ ክፍተታት ዝእረምሉን ኣንፈት ክቅመጥ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ስሩዕ በጀት ዓመት 2010 ኣብ ትልሚ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ብስፊሑ ብምምካር ብዝዓበየ ፅሬትን ውፅኢትን ዝፍፀመሉ ኣንፈት ብምቅማጥ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2010 “ተግባራዊ ለውጥን ውፅኢታውነትን “ ብዝብል መሪሕ ቃል ተመስሪቱ ተጠቃምነት ህዝቢ ብዘረጋግፅ መልክዑ ተግባራዊ ከም ዝግበር ኣይተ ኣለምነው ገሊፆም ይብል ፀብፃብ FBC፡፡