ኮሙሽን ሓርበኛታት ትግራይ ሰነድ ኣብ ጉዳይ መሰልን ተጠቃምነትን ሓርበኛታት ትግራይ ኣመልኪቱ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።

ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ፕሮጀክት ቀረፃን ሃፍቲ ምትእኽኻብን እቲ ኮምሽን ተጋዳላይ መሓሪ ኣሰፋ፣ እቲ ኮምሽን ብሄራዊ ክብርን ረብሓን ሓርበኛታት ብሕጊ ንምርግጋፅ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም ኣለው ከም ፀብፃብ…

ኣብ ትግራይ ንዘሎ ቁሉዕን ዘይሕጋውን ወራር ዕደና ደው ንምባልን ኣደብ ንምትሓዝን ምስ ዝመልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላትን ፌደራል መንግስትን ይስራሕ ኣሎ

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እዋን ቁሉዕ ወራር ዝተኻየዱ ዘይሕጋዊ መሬት ልውውጥ ሕጋውነት ከይላበሱ ከምዝተገበረ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣይተ…

ጉዱስ ወናኒ ሃብቲክ ፕላስቲክ ፋብሪካ መቐለ ኣይተ ሃ/ማርያም ብርሃነ ምስ መላእ ቤተሰቦም ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ስድራ ስውኣትን ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ኣካሎም ንዘበጀው ጉድኣት ኣካል ተጋደልትን ንመውዓሊ በዓል ትንሳኤ 400 ሽሕ ብር ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

እቶም ጉዱስ ብዓል ሃፍቲ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ስምረት ቁሸት ፀፋሕ ንዝርከቡ ስድራ ስውኣትን ጉድኣት ኣካል ተጋደልትን ከምዝለገሱ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ወረዳ ሓውዜን ን104.4 ሬድዮ FM…

ወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ማዕከናት ዜና ቢቢሲን ቪኦኤን ዝርከበኦም ልዕሊ 7 ዓለም ለኸ ማዕከናት ዜና ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንተን ዓለምለኸ ማዕከናት ዜና ዝኣገደሉ ቀንዲ ምኽንያት ዓለም ለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል (ሂውማን ራይትስ ዎች) “ወታሃደራት ቡርኪናፋሶ 50 ህፃናት ዝርከብዎም 233 ሰለማውያን…

ትካል ስግግር ሕርሻ ትግራይ (ATI) ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ መረጋገፂ ፅሬት ማይ ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ብሓገዝ ኣረኪቡ።

ትካል ሰግግር ሕርሻ ትግራይ (ATI) 511,249.98 ብር ዝዋገኦም ን6 ወረዳታት ትግራይ ዝውዕሉ ናውቲ መረጋገፂ ፅሬት ማይ ብሓገዝ ከምዝለገሰሉ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ሐዚ ኣማስዩ ኣብ…

ሕብረት ኣውሮፓ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክረኽቦ ዝግባእ እኹል ምትሕግጋዝ ስለዘይረኸብኩ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ገደብ ቪዛ ከንብር ተገዲደ’ለኹ ክብል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ንምርካብ 15 መዓልትታት ዝፅበ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ 45 መዓልትታት ክፅበ ሕብረት ኣውሮፓ ኣናዊሑዎ ከምዘሎ ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ…

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ንተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስን ተፈጥራዊ ሳይንስን በብ ዝተቐመጠሉ ዕለት ከምዝወሃብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራል ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዝገለፆ ንተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ካብ 3 ክሳብ 5 ሓምለ፣ ንተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ድማ ካብ 9 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን…

ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብልዕሊ 187 ሚልዮን ብር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ንከይዲ ህንፀቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዓዚቡ።

እቶም ዝህነፁ ዘለው መሰረተ ልምዓት መንገድታት ኣስፋልት ፣ ፅሩብ ምንፃፍ እምኒ፣ ደጋፊ መንደቕ መፋስስን ካልኦትን ዘካተተ ኣስታት 35 ዓይነታት ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ይሳለጡ…

ብሰንኪ ቁሉዕ ወራርን ድርቅን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ዝርከብ ህዝቢ ከተማ ዛላምበሳን ወረዳ ጉለምኸዳን ንምሕጋዝ ካልኣይ ዙር መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይሳለጥ ኣሎ ።

ሕዚ ድማ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ካልኣይ ዙር ይሳለጥ ስለ ዘሎ ተወሳኺ ዓቕሚ ክርከብ እምነት ኣለኒ ክብሉ ገሊፆም። ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሽሻይ መረሳ…

ሎሚ ሰንበት ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ሃምበርግ ኣብ ዝተሰላሰለ ቅድድም ጉያ ማራቶን ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ።

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ ሎሚ ኣብ ሃገረ ጀርመን ሃምበርግ ኣብ ዝተሳለጠ 42 ኪሎሜትሮ ዝርሕቀቱ ቅድድም ጉያ ማራቶን 2:21:19 ብዝኾነ ስዓት ብምዝዛም 3ይ ጀረጃ ሒዛ ብምዝዛም ተዓዋቲት…