ትካል እኖታት ንእኖታት ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ ሃምሊን ፊስቱላ ከምኡ’ውን UNFPA ብምትሕብባር ወፍሪ ምሕካም ሙልቆ ማህፀን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ንምክያድ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ይሳለጥ’ሎ።

ልዕሊ ሸሞንተ ሸሕ ኣዴታት ግዳይ ፀገም ሙልቆ ማህፀን ከምዘጋጠመን ኣብ ግምት ብምእታዉ ንምምርማርን ምሕካምን ዘኽእል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓውደ መፅናዕቲ መልእኽቲ ዘሕለፉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና…

“ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቶንዮ ጋሊንዶ መንግስቲ ፍቓድ ኣብዘይሃቦ ቦታ ክፅብፅብ ስለዝረኸብኩዎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒለዮ’ኹ።” – መንግስቲ ፌደራል።

“ንሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ሞያ ጋዘጠኝነት ተዋፊርካ ተረኺብካ ተባሂሉ ምእሳሩ መስሓቒ’ዩ።” – ፈረንሳይ። ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቶን ጋሊንዶ ብዘይ ፍቓድ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያትን መንግስቲ ፍቓድ ኣብዘይሃቦን ቦታ…

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዘሳለጦ ዘተ ቅድሚ ሐዚ ንህዝባዊ ስራሕቲ ኣፀገምቲ ዝነበሩ መምርሕታት ከምዘመሓየሸ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ካቢኔ ካብ ለካቲት18 ክሳብ 19 ንኽልተ መዓልታት ከምዝዘተየ ዝሓበሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፤ኣብ መምርሒ ካሕሳ መሬት ፣ መምርሒ…

ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እናዘተየ ዝፀንሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ትማሊ 18 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝጀመረ ስሩዕ ኣኼባ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ስሩዕ ኣኼብኡ ንውሕ ንዝበለ እዋን እናተሰርሓሉ ዝፀንሐ መስርሕ…

ጉዱሳት ተጋሩ ድያስፖራን ሓደ ጉዱስ ኤርትራዊን ንዝለገስዎ 160,000 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ን32 ስድራ ስወኣት ንነፍስወከፍ 5,000 ብር ተዋሂቡ።

ዳያስፖራ መናእሰይ ሕድሪ ትግራይ 100,000 ግዱስ ኤርትራዊ ኣይተ ጥዑም ገብረመድህን ድማ 60,000 ብር ንዝለገስዎ 160,000 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ 12 ተመዛበልቲ ስድራ ስውኣት ንዝርከብዎም ብድምሩ ን32…

ትካል ልምዓት ሆላንድ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኻየዱ ውግኣት ሃስያ ንዝበፅሖም ሓረስቶት ዝውዕል ዘርኢ ፍረምረን ኣሕምልትን ደጋፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብጎንፂን ድርቂን ንዝተሃስዩ 4 ሽሕ ሓረስቶት ዝውዕል ዘርኢ ፍረታትን ኣሕምልትን ድጋፍ ከምዝገበረ ዳይሬክተር ትካል ልምዓት ሆላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ጁሊ…

“ህዝቢ ትግራይ ንህልውንኡ፣ክብሩን መንነቱን ንዘበናት እናተዃሽሐ ዝመፀ ህዝቢ’ዩ።” – ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር ( ሞንጆሪኖ)

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ ሮ ፈትለወርቅ ገብረዝጋብሄር መበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፎረም ደቂ ኣንስትዩ መቐለ ከምዝሓበርኦ ህዝቢ…

ዓድዋ “መርኣያ ፅንዓትን ኣይግዛእን ብሃላይነትን ተጋሩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ድምፂ ወያነ ትግራይን ኣብ ዝኽሪ መበል 128 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ መድረኽ ዘተ ይካየድ’ሎ ።

ኣፍቲ መድረኽ ንምኽትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነባር ተጋዳላይ ታደሰ ወረደን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽንን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዑዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም’ለው። ኣፍቲ መድረኽ ግደ…

መበል 88 ዓመት ዝኽሪ ኲናት ተምቤን ወርሰገ ምክንያት ብምግባር ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ከተማ ወርቃምባ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ዕላማ እቲ መድረኽ ዘይተዘረበሉ ታሪኽ ተምቤን-ወርሰገ ብምፍላጥ ናብ ረብሓ ንምውዓል ምዃኑ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ኣይተ ኣፅበሃ ሕሉፍ ገሊፆም። ኣብቲ እዋን መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል…