“ዓንድታት ኦማት ኤሌትሪክ ብኮንኩሪት ብዝተሰርሑ ዓንድታት ይትክኦም’ለኹ።” – ቤትፅሕፈት ሓይሊ ኤሌትሪክ ትግራይ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ግርማይ ግደይ ንድወት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ዓንድታት ኦማት ኤሌትሪክ ብኮንኩሪት ብዝተሰርሑ ዓንድታት ብምትካእ ኣብ ከተማ መቐለ ብተደጋጋሚ…

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ንምክያድ ዋላ’ኳ መንግስቲ ፌደራል እንተኸልከለና ኣብ ከተማ መቐለ ክነካይዶ ኢና።” – ሰልፊ ኢዜማ ዝርከቦም ልዕሊ 10 ፖለቲካዊ ሰልፍታት (ውድባት)።

“ካብ ካልእ መፂኻ ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ከነካይድ ኢና ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ’ዩ።” – ምምሕዳር ከተማ መቐለ። “ኣብ ከተማ መቐለ ሰልፊ ከምዝካየድ ዝተውሃበኒ መደብ የለን።…

ህወሓት ኣጋጢምሞ ዘለው ፀገማት ከበድቲ ከምዝኾኑን ንዞም ብድሆታት ንምስጋር ቁልፊ መፍትሒኦም ጉባኤ ምዃኑ ውድብ ህወሓትን ማእኸላይ ቁፅፅር ኮምሽን ህወሓትን ኣፍሊጦም።

ውድብ ህወሓትን ማእኸላይ ቁፅፅር ኮምሽን ህወሓትን ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ ከምዝሓበርዎ እንኮ መፍትሒ ከበድቲ ብድሆ ህወሓት ዝፍታሕ ብጉባኤ ምዃኑ ድሕሪ ምንፃር ውድባዊ ጉባኤን ተዛማዲ…

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ንዝርከብ ህዝቢ የጭላ ኣበርገለ ሓገዝ ምግቢ ኣበርኪታ።

በዓልቲ ክብረ ወሰን ጉያ ዓለም 10ሽሕ፣ ፍርቂ ማራቶን ኢሉ እውን 10 ኪሎ ሜትር ዝኾነት ፍርያት ትግራይ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ የጭላ ኣበርገለ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት…

መምህራን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ምእንቲ ወለዶ ክበሃል ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ስርሖም ክጅምሩ ከምዝወሰነ ማሕበር መምህራን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ማሕበር መምህራን ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ ሕቶን ጠለብን መምህራን ንጊዝያዊ መንግስቲ ነፂሩ ብምቕማጥ ኣብ 33 ኣብያተ ትምህርቲ መምህራን ስረሖም ደው ምባሎም ስዒቡ ተቛሪፁ…

መውሃቢ ዕለት ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝተቐየረ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

መውሃቢ ዕለት ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ሎሚ 18 ታሕሳስ ጀሚሩ ከምዝወሃብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ኳ እንተነበረ እቲ ፈተና ዝወሃበሉ ዕለት ብሰንኪ ክፃፈፉ…

ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኣብ መረበቶም ብመንነቶም ምኽንያት ብወረርቲ ሓይልታት ተኣሲሮም ዝፀንሑ 31 መናእሰይ ሎማዓንቲ ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ተከዘ ሰጊሮም ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከምዝኣተዉ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቶም ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ዓዶም ብወረርቲ ሓይልታት ዕጡቓት ኣምሓራ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝፀንሑ መናእሰይ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ዕለት 16 ታሕሳስ…

ጋንታ ብሽክሌታ ትራንስ ድሕሪ 4 ዓመታት ንፈለማ እዋን ካብ ክልላ ወፃእ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ሎሚ ኣብ ዘሰላሰለቶ ግጥም ቅድድም ተዓዊታ።

ፌደረሽን ብሽክሌታ ድሬዳዋ ምስ ‘ ሃሪፍ የስፓርት ኣገልግሎት’ ብሓባር ብምዃን ኣብ ዘዳለውዎ ግጥም ቅድድም ብሽክሌታ ጋንታ ትራንስ ንዝቐረበላ ዕድመ ስዒቡ ተሳቲፋ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 4ይ…

ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባዊ ትካላት ትግራይ ዝነጥፍ ትካል ገባሪ ሰናይ “EYES” ብልዕሊ 800 ሽሕ ብር ንዝዓደጎም ዝተፈላለዩ ናውቲ ንማሕበር ልምዓት ትግራይን ንኮሌጅ ኪነጥበባት ትግራይን ብሓገዝ ለጊሱ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ብኣስታት 840,000 ብር ንዝዓደጎም ዝተፈላለዩ ናውቲ ሰርከስን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳን ተጋሩን ትግራይን ሐዚ ኣብ ሆቴል ኣኽሱም ንቶም ትካላት ብሓገዝ ኣረኪቡ’ሎ። ኣፍቲ…