15 ሚልዮን ብር ዝግምቶም መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ስነ ተዋልዶን ብሓገዝ ተረኺቡ።

26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ትካል ስነ ተዋልዶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 15 ሚልዮን ብር ዝግምቶም ንስነ ተዋልዶ ዘገልግሉ መድሓኒት ፣ ናውቲ ሕከምናን ሃለኽቲ ውልቀ ፅሬትን ብሓገዝ ከምዝረኸበ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ናውቲ ሕክምና ፣መድሓኒትን ሃለኽቲ ውልቀ ፅሬትን – ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ቢሮ ጥዕና ትግራይን ኣብ ዝተረኸብሉን ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ኣብ ዝተሳለጠሉን እዋን እቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ንቲ ዘሎ ፀገም ኣብ ምቅላል ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎምን ን30 ትካላት ጥዕና ከምዝከፋፈልን 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *