ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብ መሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘቀራርቡ ሓበራዊ ጉዳያት ዓሲሎም ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም።

ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዘሽንን ጀነራል ፃድቃን ነዚ ዝበሉ ምስ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ብምትሕብባር ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዙርያ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ጠሚቱ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ስልጠና እዩ።

ጀነራል ፃድቃን ዴሞክራሲ ንጭቡጥ ፀገማት ዓድና ተመኻኺርና መፍትሒ ምቕማጥ እዩ ብምባል፣ ዓቕምታትና ወዲብና ንህልዊ ፀገማትና ኩላትና ሰብዋና ኮይንና ብምስታፍ ፀገማትና ክንፈትሕ ይግባእ ኢሎም።

ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ንመሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ክበሃል ኣብ ዘቀራርቡ ሓበራዊ ጉዳያት ዓሲሎም ክሰርሑ ዝፀውዑ ጀነራል ፃድቃን ፣ነዚ ቅቡል ዝገብር ምሕደራን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣብ ምህናፅ ክስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣመላኺቶም።

ኣምባሳደር ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሄኒክጀን ባከር ብወገኖም ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ጉዳይ ስልጣን ዘይኮነስ ምእንተ ዝሓሸ መፃኢ ህዝብን ዓድን ክሰርሑ ከምዝግባእ ምዝራቦም ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *