ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩኖታት ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

01 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም

ኣብ መግለፂኦም ድማ ዝስዕቡ ዛዕባታት ኣልዒሎም

* ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ዘለው ማሕለካታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዋ መብርሂ ከምዝገለፅዋ ብፍላይ ምስ ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስን ቀንዲ ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝኮነ ብምሕባር በዚ መሰረት ነዚ ንምትግባር ብወገን መንግስቲ ፌደራል ክስርሑ ዝግቦኦም ስራሕቲ ኣመላኪቶም ።

*መንግስቲ ኣምሓራ ስምምዕነት ፕራቶርያ ተግባራዊ ንከይከውን ዝገብሮ ዘሎ ዕንቅፍት

* ኣብ ዞባን ወረዳን ዘሎ ኣወዳድባን መሪሒነትን ንባዕሉ ከም ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይኮነን ቀፂሩ ዝሰርሕ ዘሎ ምስ በሉ እዚ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እግሪ ከይተክልን ስርሑ ንከይስርሕ ንምግባር ዝግበር ምንቅስቃስ ከምዘሎን ነዚ ስርዓት ንምትሓዝ ድማ እናተስረሐ ከምዘሎ።

*ጉዳይ ክሳብ ሐዚ ዘይተከፈለ ውዙፍ መሃያ ሰራሕተኞ መንግስቲን ኣብ ምክንካን ስራዊት ትግራይ ዝራኣዮ ዘለው ፀገማትን

* ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ጉዳይ ተሓታትነት ጆኖሳይድ ትግራይ እውን መብርሂ ሂቦም ኣለው።

*ብዛዕባ ምእሳር ተቃውምቲ ውድባት እውን ካብ ጋዜጠኞታት ዝተልዓለሎም ሕቶ እውን ምላሽ ሂቦም እዮም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ኣብ 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ክነቅርቦ ኢና።

።።።።።።።።።።።።።።።።።

ብጋዜጠኞ ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *