ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢሮሞ ዝነበሩ ማዕቐብ ክቕፅል ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

03 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሰብ መዚን እታ ሀገር ተነበሩ ዝነበረ ማዕቐብ ክቕፅል ትእዛዝ ዝሃብሉ ድንጋገ ብሔራዊ ሓደጋ ቁፅሪ 14046 ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ 17 መስከረም 2021 ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅሉዕ ወራር ምኽፋቱ ስዒቡ ዝትኣዘዘ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንፓሊሲ ወፃኢ ጉዳያትን ደሕንነትን ኣሜሪካ ዝፃባእ ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቅድሚ ክልተ ዓመት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብምዝማት ዝተፈፀሙ ገበናት ሰላምን ምርግጋዕን ቀርኒ ኣፍሪካ ፣ረብሓን ድሕንነት ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ እዩ ብዝብል ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዘይምውፃኡ፣ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ብስፍሓት ምፍፃሞምን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዝኸፍኣ ብርኪ ምብፅሑ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሰብመዚ እታ ሀገር ብፕረዚደንት ባይደን ማዕቐብ ክንበር ትእዛዝ ዝተውሃበሉ ድንጋገ እዩ ።

እዚ ውሳነ ንከብቅዕ 9 መዓልታት ዝተረፉ እኳ እንተኾነ ሰላምን ምርግጋዕን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ኩነታት ብምህላው፣ እዚ ድማ ሰላምን ምርግጋዕን ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን እዚ ከይዲ ኣብ ፓሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካን ድሕንነትን ሓደገኛ ስግኣት ዘንፀላለወ ብምዃኑ እቲ ውሳነ ምንባር ማዕቐብ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 17 መስከረም 2023 ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ።

እቲ ውሳነ ኣብ መዝገብ ፌደራል ክምዝገብን ንኮንግረስ ኣሜሪካ ክልኣኽ ፕረዚደንት ባይደን ኣዚዞም እዩም።

ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት ሆማን ራይትስ ዎች ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፆኦ ሓድሽ ዕላዊ ሪፓርት ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፅኣን ግፍዕታት ይፍፅም ከምዘሎን ምርግጋፁ ይዝከር ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢሮሞ ዝነበሩ ማዕቐብ ክቕፅል ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሰብ መዚን እታ ሀገር ተነበሩ ዝነበረ ማዕቐብ ክቕፅል ትእዛዝ ዝሃብሉ ድንጋገ ብሔራዊ ሓደጋ ቁፅሪ 14046 ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ 17 መስከረም 2021 ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅሉዕ ወራር ምኽፋቱ ስዒቡ ዝትኣዘዘ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንፓሊሲ ወፃኢ ጉዳያትን ደሕንነትን ኣሜሪካ ዝፃባእ ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቅድሚ ክልተ ዓመት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብምዝማት ዝተፈፀሙ ገበናት ሰላምን ምርግጋዕን ቀርኒ ኣፍሪካ ፣ረብሓን ድሕንነት ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ እዩ ብዝብል ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዘይምውፃኡ፣ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ብስፍሓት ምፍፃሞምን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዝኸፍኣ ብርኪ ምብፅሑ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሰብመዚ እታ ሀገር ብፕረዚደንት ባይደን ማዕቐብ ክንበር ትእዛዝ ዝተውሃበሉ ድንጋገ እዩ ።

እዚ ውሳነ ንከብቅዕ 9 መዓልታት ዝተረፉ እኳ እንተኾነ ሰላምን ምርግጋዕን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ኩነታት ብምህላው፣ እዚ ድማ ሰላምን ምርግጋዕን ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን እዚ ከይዲ ኣብ ፓሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካን ድሕንነትን ሓደገኛ ስግኣት ዘንፀላለወ ብምዃኑ እቲ ውሳነ ምንባር ማዕቐብ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 17 መስከረም 2023 ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ።

እቲ ውሳነ ኣብ መዝገብ ፌደራል ክምዝገብን ንኮንግረስ ኣሜሪካ ክልኣኽ ፕረዚደንት ባይደን ኣዚዞም እዩም።

ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት ሆማን ራይትስ ዎች ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፆኦ ሓድሽ ዕላዊ ሪፓርት ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ከምዘይወፅኣን ግፍዕታት ይፍፅም ከምዘሎን ምርግጋፁ ይዝከር ክብል ድወት ሐዚ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *