ፎረም ላዕለዎት ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህልው ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ገይራ ዘትያ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ኣዶ መንበር ፎረም ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዶ/ር ፋና ሓጎስ እዙይ ፎረም ዝተጣየሸሉ ዕላማ ኣብ ኣመራርሓ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ዓቕመን የዕብያን ናብ ቅድሚት ይመፅኣ ፣ደቂ ኣንስትዮ ናብ መሪሒነት ክመፅኣን ክበቕዓን ዝብል ዕላማ ተሓንጊጡ ዝተመስረተ ፎረም ምዃኑ ገሊፀን ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ግፍዒ ተፈፂሙ እዩ ዝበላ እንትኾን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ንብርክት ዝበሉ ፀገማት ተቓለዐንን ንድሕሪት ዝተመለሳሉ መድረኽ ንርከብ ክብላ ዶ/ር ፋና ሓጎስ ሓቢረን ኣለዋ ።

ዶ/ ር ፋና እዙይ ሕዚ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ፎረም ላዕለዎት ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ናብ ንብር ስራሕና ንምምላስን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ትኹረት ዝገበረ ኣንፈት ነቐምጠሉ እዩ ክብላ ተዛሪበን።

ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ንዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ንደግፈን ከም ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ክልል ሴክተራት ባዕልና ንባዕልናኸ ከመይ ንደጋገፍ ብዝብል ማእኸል ዝገበረ መድረኽ ኣመራርሓ ፎረም ደቂ ኣንስትዮ ተሳሊጡ ኣሎ ።

ኣብቲ መድረኽ ፎረም ኣመራርሓ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ህልው ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ትኹረት ዝገበረ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ምይይጥ እናተገበረሉ ይርከብ’ሎ ክብል ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *