ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ኣብ ምፍራይ ስሚንቶ PPC ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ጊዝያዊ ፀገም ቀረብ እታወት ኣቛሪፅዎ ንዝፀንሐ ብምፍታሕ ዳግም ምፍራይ ከሞዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ዕላዊ ገፅ ትእምት ሎሚ ኣብ ዝዝርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠሞ ሕፅረት እታወት ፤ ምፍራይ PPC ሲሚንቶ ንግዚኡ ጠጠው ከብሎ ተገዲዱ’ኳ እንተነበረ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምዃን ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ብምፍታሕ ናብ ስሩዕ ምፍራይ ከምዝኣተወ ገሊፁ።

እቲ ፋብሪካ ዓማዊሉ ንዘርአይዎ ትዕግስቲ’ውን ኣመስጊኑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *