ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ንነፍስወከፍ ስድራ ስወኣት ሰራሕተኛታት እቲ ትካል 100 ሽሕ ብር ብሓገዝ ድሕሪ ምሃብ ካብ ነፍስ ወከፍ ስድራ ስውኣት ኣብ ትካሉ ተቖፂሮም ንኽሰርሑ ዕድል ከምዝፈጥር ቃል ኣትዩ።

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሎሚ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ከምዝሓበሮ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተኣወጀ ቁሉዕ ወራር ንምምካት በረኻ ወፊሮም ንዝተበጀው ፤ ንስድራቤቶም ብግዜኣዊነትን ብዘለቕነትን ንምሕጋዝ ዕማም እቲ ትካል ምዃኑ ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣይተ ክብረኣብ ተወልደ ገሊፆም።

ኣይተ ክብረኣብ ኣብ ቀፅሪ እቲ ፋብሪካ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ሓገዝ ስድራ ስውኣት ሰራሕተኛታቱ -ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ስወኣት 100,000 ብር ሓገዝ ድሕሪ ምልጋስ ነቶም ስድራ ስወኣት ብዘላቕነት ንምሕጋዝ ድማ ካብ ነብሲወከፍ ስድራ በብሞየኦምን ዝወፈሩሉ ዓውዲን ኣብቲ ፋብሪካ ተቖፂሮም ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ባይታ ተመቻችዩ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መድረኽ ነቶም ሰድራ ስዋኣት ናይ ሐዘን ክዳኖም ብምቕንጣጥ ጋቢ ክኽደኑ’ውን ገይሩ’ሎ።

ስድራ ስወኣት ብወገኖም ንዝተገበረሎም ደገፍ ኣመስጊኖም ንስራሕቲ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ተዘዋዊሮም ድማ ተዓዚቦም’ዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *