ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦን ሱር ኮንስትራክሽንን ንጋንታት 70 እንደርታ መቐለ ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ሱሑል ሽረን ንነፍስወከፈን 7 ሚልዮን ብር ብድምሩ 21 ሚልዮን ብር ኣበርኪተን።

ኩባንያታት ትእምት ዝኾና ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦን ሱር ኮንስትራክሽንን ብሓባር ብምኽንያት ኲናት ንዝተዳኸመ ስፖርት ትግራይ ንምብርባር ብምዕላም ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንዝሳተፋ 3 ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ብስፖንሰርነት 21 ሚልዮን ቅርሺ ሓጊዘን::

ብመሰረት’ዚ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦን ሱር ኮንስትራክሽንን ብሓባር ንጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ሱሑል ሽረን ንሕድሕደን ሸሸዉዓተ ሚልዮን ቅርሺ ብድማር 21 ሚልዮን ቅርሺ ብመልክዕ ስፖንሰር ሓጊዘን ኣለዋ::

ሕዉየተን እናረጋገፃ ብዝኸዳ ቁፅሪ ስፖርት ትግራይ ንምሕዋይ ዝገብረኦ ሓገዝ’ዉን ከምቲ ልሙድ ከምዝቕፅላሉ እተን ኩባንያታት ኣረጋጊፀን’ለዋ ከም ፀብፃብ ዕላዊ ገፅ ትእምት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *