ጋዜጠኛታት ንገዛእ ርእሶም ካብ ግዳማዊ ውግንና ሓራ ብምግባር ቀዋሚ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ዝሐሸ ፅባሕ ንኽህሉን ክሰርሑ ይግባእ ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ንሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽንን ኣብ ሕውየት ዘድሃበ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ስልጠና ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ከምዝገለፅዎ ኣብ እዋን መኸተ ቁሉዕ ወራር ትግራይ ዝነበረ ልዑል መንፈስ ስራሕን ተገዳስነትን ሰብ ሞያ ሚድያ ሐዚ’ውን ኣብ ዘለናዮ ሃዋህው ሰላም ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ብእዋኑ ኣብ ምብፃሕ ክድገም ይግባእ ኢሎም።

ሞያ ጋዜጠኝነት ካብ ዝኾነ ይኹን ውግንና ብምውፃእ ሚዛኑ ዝሓለወ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ ምብፃሕ ክነጥፍ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሐዚ እውን ሓርነት ካብ ውልቀ ስለዝጅምር ንስነ ሞያኻ ተገዛኢ ምዃን ወሳኒ’ዩ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *