ጉዱሳት ነባር ኣባላት ሰርከስ ትግራይ ብ189 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝዓደግዎ ደረጅኡ ዝሓለወ ፍራሽ ስፖርት ሰርከስ ብምዕዳግ ንማእኸል መሰልጠኒ ሰርከስ ትግራይ ብሓገዝ ለጊሶም።

እቶም ጉዱሳት ኣባላት ሰርከስ ትግራይ ንዚ ሓገዝ ዘበርከቱ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ተተካእቲ ምፍራይ ንእትገብሮ ምንቅስቓስ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ ዕላዊ ገፅ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ገሊፁ።

ኣብዚ ሰናይ ተግባር ንዝተሳፉ ነባር ኣባላት ሰርከስ ትግራይ ንዝገበርዎ ደገፍ ማልት ሞጒሳ።

ብኻልእ ወገን መበል 30 ዓመት ምስረታ ሰርከስ ትግራይ ካብ 21 ክሳብ 25 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተፀንቢሉ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝበዓልን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላት ሰርከስ ትግራይን ኣፍቀርታን ኣፍቲ ብዓል ንኽርከቡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፀዊዓ’ላ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *