ጉዱሳት ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ብ15 ሚልዩን ብር ወፃኢ ኣብ ቁሉዕ ወራር ንዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ እምባስነይቲ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ፅገና ኣካይዶም ሎሚ ኣረኪቦም።

ኣብ ወረዳ እምባሰነይቲ ከተማ ነበለት ኣብ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ጌታቸው ወልዱ፣ካልኣይ ቤት ትምህርቲ እምባስነይትን ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ነበለትን በፂሕወን ንዝነበረ ሃስያ ዳግም ስራሕቲ ምሕዳስ ተገይሩለን ሎሚ ተመሪቐን ።

ፕሬዚደንት ጌታቸዉ ረዳ እቶም ሰብ ሃፍቲ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነዉ ኣብያተ ትመህርቲ ዳግም ብምህናፅ ናብ ግልጋሎት ንምውዓል ዝወሰድዎ ቅዱስ ተበግሶ ንኢዶም ።

ዳግም ክፅገና ዝገበሩ ጉዱሳት ወገናት ተወለድቲ ወረዳ እምባ ስነይቲ ኣይተ ጌታቸዉ ወልዱን ብርሀነ ወልዱን ንተን ቅድም ክብል ባዕሎም ሃኒፆመን ዝነበሩ ጉድኣት ምስበፅሐን’ውን ንዳግመ ህንፀተን ዝነጠፉን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ትምህርቲ ንዝጀመርዎ ሓገዘ አብ ካልኦት እዉን ከምዝረቕፅልሉ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *