ጀርመን – ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንዘርኣየቶ ብድዐ ዘረባ ብምንፃግ ንቐዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ክትኣስሮምን ከተእስሮምን ምዃና ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ከምዝገለፅዎ- “ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ናብ ሃገርና ጀርመን እንተመፅዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምውዓል ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣሕሊፋ ከምትህቦም ኽገልፀልኩም ይደሊ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣባል ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝኾነት ጀርመን ንሕግታት እቲ ቤት ፍርዲ እተኽብር’ምበር ንመስርሕን ኣሰራርሑኡን ዕሽሽ ዘይትብል ሃገር ምዃና ፈታውን ፀላእን ክፈልጥ ይግባእ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኦላፍ ቮልዝ ፤ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ናብ ጀርመን እንተመፅዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምውዓል ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣሕሊፋ ከምትህቦም ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃገረ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ነዚ ውሳነ ዘሕለፉ ንኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ጀርመን በርሊን ብምፅዋዕ እስራኤል ካብ ዘይእርኑብ ተግባራታ ክትቁጠብ ድሕሪ ሓሳቦም ምቕራቦም ንመርገፅን ድሌትን ጀርመን ብግልፂ ከምዝሓበርሎም ማዕከን ዜና ኣሃርቲ ኒውስ ፀብፂቡ።

ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ፖለቲካ መርገፂ ጀርመን – ኔታንያሁ ናብ ጀርመን እንተመፅዮም ክእስሮም’የ ኢላ ኣቐዲማ ምግላፃ ጀርመን ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝነበራ ርክብ ምሕርፋፉ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ጀርመን ከይመፁና ዝብል ቁሉዕ መልእኽቲ ዝተሰከመ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው።

መንግስቲ እስራኤል ብወገኑ መርገፂ ጀርመን ንርእሰ ምክልኻል እስራኤል ዝፃባእ ዘይምኹኑይ መርገፂ’ዩ ክብል ነፂግዎ’ሎ ከምፀብፃብ ጀሩሳሌም ፖስት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *