ድጋፍ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ሰሓርቲ ንዝተፀገሙ ወገናት

30 ሓምለ 2015 ዓ.ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተወለድትን ፈተውትን ሰሓርቲ ዝተልኣኸ ብልዕሊ 470 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ 100 ኩንታል ዕፉን ተዓዲጉ ንፅጉማት ወገናት ከምዝተከፋፈለ ተገሊፁ።

እቶም ተሓገዝቲ ካብ ኩለን ጣብያታት ወረዳ ሰሓርቲ ዝተፀንዑን ኣዝዮም ንዝተፀገሙ 400 መራሕቲ ስድራ ንሕድ ሕዶም 25 ኪሎ ዕፉን ክባፃሕ ከም ዝተገበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ከምዝበልዎ ተወለድትን ፈተውትን ሰሓርቲ ንዝገበሩሎም ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን ህዝቢ አቲ ከባቢ ኣብ ሕሱም ጥሜትን ዝኸፍአ መነባብሮን ከምዝርከብ ኣረዲኦም እዮም።

ኣመራርሓ ዓለም ለኸ ማሕበር ሰሓርቲ ብግዲኦም ዕላማ እታ ማሕበር ህዝቢ እናተሓገዘ ክነብር ከይኮነስ ፀጋታት ተፈጥሮን ሃፍቲታትን ወረዳ ሰሓርቲ ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ተረባሓይ ምግባር እዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ማሕበር ክዓቢ ኣመራርሓን ህዝብን ሰሓርቲ ኣብ ጎኖም ጠጠው ከምዝብሉ ዝሓበሩ ድማ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሰሓርቲ ኣይተ ዘምክኤል ተወልደመድህን እንትኾኑ ካብዚ ብተወሳኪ እውን ኣብታ ወረዳ ናይ ወርቂ፣ ዕጣን፣ ንምፍራይ ንህብን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲታት ዘለዋ ወረዳ ስለዝኾነት ሰብ ሃፍቲ ተወለድትን ፈተውትን ሰሓርቲ ተጠቀምቲ ክኾኑ ፃዊዒት ኣቕሪቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *