ዳግማይ ምጅማር ድጋፍ ምግቢ ካብ ካቶሊካዊት ገባሪ ሰናይ ።

29 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ቅድሚ ሕዚ ብስኮትላንዳዊ ኣህጉራዊ ረድኤት ዝፍለጥ ዝነበረ ሜሪስ ሚልስ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ዘጋጥሞም ማሕበረሰባት ዓለም ሰብአዊ ድጋፋ ዝህብን ህፃናት ትምህርቲ ንከረኽቡ ዘተጣይሽ ትካል ግብረ ሰናይ እንትክውን ኣብ ትግራይ ንተማሃሮ መዓልታዊ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ብነፃ መግቢ ዝህብ እዚ ካቶሊካዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ኲናት ዝገብሮ ዝነበረ ምንቅስቃስ ደው ኣቢሉ ምንባሩን ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ከምዝጀመረን ተገሊፁ ኣሎ ።

እዚ ካቶሊካዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ካብ 2017 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሩ ምስ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ግብረ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር ኣብኡ ንዝርከቡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ መግቢ ንምብፅፃሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ ቅድሚ 2020 ኣ.ፈ ኣብ መዓልቲ ን24 ሽሕ ዝግመቱ ህፃናት ይምግቡ እኳ እንተነበረ ብምክንያት ለበዳ ኮቪድ-19ን ኲናት ትግራይን ግና ስርሑ ደው ኣቢልዎ ከምዝፀነሐ ኣፍሊጡ ።

ዳይረክተር ፕሮግራም ሜሪስ ሚልስ ኢንተርናሽናል አሌክስ ኬይ ንማዕከን ዜና ሲኤንኤን ከምዝበልዎ ህፃናት ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሱ ምግባርን ዳግማይ ድጋፍ ክረክቡ ምክኣሎምን ብጣዕሚ ዘሐጉስ ኣጋጣሚ እዩ ምስ በሉ ትካሎም ድማ ኣብ 14 ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ ኣስታት 10 ሽሕ ህፃናት ጉልበት ዝህቡ ቡስኩትን ውዑይ ሻሂን ብምቅራብ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ ድሕር ምባሎም እዚ ድማ ናብ ኩሉ ንምብፅፃሕ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሲኤን ኤን ዝነበሮም ፃኒሒት ተዛሪቦም እዮም ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብሰንኪ ምቅላዕ ግዕዝይና ረድኤት መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ናብ ዝተፀገመ ማሕበረሰብ ትግራይ ሰብኣዊ ሬድኤት ስለዝተዓናቐፈ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ጥምየት ከምዝተራእየ ዝገለፀ እቲ ካቶሊካዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣዴታት ብሰንኪ ጥምየት ጡብ ከጥብዋ ኣይከኣላን ብዙሓት ሕፅረት መግቢ ዘለዎም ህፃናት ድማ እናሞቱ ከምዝርከቡ ይሕብር ።

;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;;

ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *