ዩንቨርስቲ መቐለ ድሕሪ ኲናት ኣብ ፅላት ሕውየት ትምህርቲ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ፅባሕ ከምዘሳልጥ ኣፍሊጡ።

መቐለ ዩኒቨርስቲ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃቦ ቃል ከምዝገለፆ ፅባሕ ኣብ ዝሳለጥ መድረኽ ዘተ ድሕሪ ኲናት ኣብ ፅላት ሕውየት ትምህርቲ ትግራይ ዘጓነፉ ብድሆታት ዝተውሃቡን ዝተዓሙን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ሃጓፋቶምን ቀፃሊ መፍትሒኦምን ምስ ዝምልከቶምን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝዝተየሎም ገሊፁ’ሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ፅባሕ ኣብ ሆቴል ፕላኔት ከምዝጅመርን ንኽልተ መዓልትታት ከምዝዘልቕን እቲ ዩኒቨርስቲ ወሲኹ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *