~ዩንቨርሲቲ ራያ ንሓደሽቲ ተምሃሮኡ ብኽብሪ ይቕበል ኣሎ።

ሓደሽቲ ተምሃሮ ከምቲ ብደረጃ ሃገር ዘመዝገብዎ ልዑል ዉፅኢት ኣብ ዩንቨርስቲ’ውን ክትደግምዎ በዓል ሙሉእ ተሰፋ’የ ክብሉ ምክትል ፕረዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ራያ ደ/ር ክብሮም ካሕሱ ንሓደሽቲ ተምሃሮኡ ሎሚ ብኽብሪ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ሓቢሮም።

ጠንኪሮም ብምምሃር ብቴክኖሎጂን ብምርምርን ምዕብልቲ ትግራይ ኣብ ምፍጣር ግድኦም ንኸበርክቱ ዘኽእሎም ዓቕሚ ሒዞም ንኽወፁ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከካይዱ ፀዊዖም።

ሓደሽቲ ተምሃሮ ድሕሪ ፈተንቲ 3 ዓመታት ናብዚ ብምብቕዖም ከምዘሐጎሶም ብምግላፅ ጀጋኑ ሰማእታትና ዕላምኦም ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕን ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ንምፍፃም ጠንኪሮም ከምዝመሃሩ ንኤመሓት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *