ዜና ኣትሌታት ተጋሩ

# ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ከቢድ ጥሜት ንዝወደቑ ወገናትና ዝውዕል ርብዒ ሚልዮን ብር ክልግስ’የ ምባላ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ፀብፂቡ።

# ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ሎሚ ኣብ ሃገረ ስዊዘረላንድ ኣብ ዝተሳለጠ Course de l’Escalade ቅድድም ጉያ ንቲ ርሕቀት 23:24 ብምፍፃም ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ተዓዊታ።

# ሎሚ ኣብ ሃገረ ስፔን – ቫለንሺያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ ማራቶን ( MARATONA DE VALENCIA 🇪🇸) ኣትሌት ሂወት ገብረኪዳን 2:17:59 ንቲ ርሕቀት ብምዝዛም ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተሸላሚት ነሓስ ኮይና።

# እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትግራዋይ ዝመቦቆሉ ዜግነት ሃገረ ጀርመን ዝወነነ ኣትሌት ኣማንኤል ጴጥሮስ ናይዚ ዓመት ብሉፅ ኣትሌት ሃገረ ጀርመን ተባሂሉ ተሓሪዩ’ሎ።

ኣትሌት ኣማንኤል ጴጥሮስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ውድድር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሕ ዝነበረ ኣደራዕን ቁሉዕ ወራርን ጨፍጫፍን ብትሪ ኽቃወም ዝፀንሐ ኣትሌት’ዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *