“ዓንድታት ኦማት ኤሌትሪክ ብኮንኩሪት ብዝተሰርሑ ዓንድታት ይትክኦም’ለኹ።” – ቤትፅሕፈት ሓይሊ ኤሌትሪክ ትግራይ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ግርማይ ግደይ ንድወት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ዓንድታት ኦማት ኤሌትሪክ ብኮንኩሪት ብዝተሰርሑ ዓንድታት ብምትካእ ኣብ ከተማ መቐለ ብተደጋጋሚ ንዝረኣዩ ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህቲ ንምንካይ ይስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

እቲ ትካል ይስርሑ ኣብ ዘለው ፕሮጀክታት ዝርገሐ ዓንዲ ኮንኩሪት ኤለትሪክ ሎሚ ዑደት ዘካየደ እንትኾን፣ ምቑርራፅ ግልጋሎት መብራህቲ ከተማ መቐለ ንምንካይ ኣብ ልዕሊ 140 ኪሎ ሜትሮ ተተኺሉ ዝነበረ ዕንጨይቲ ዓንዲ ብኮንክሪት ዓንዲ ኣብ ምልዋጥ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ካብ ጨለቆት መቐለ ዘሎ መስመር መሉእ ብሙሉእ ናብ ኮንክሪት ፓሎ ተለዊጡ ሰራሕ ከምዝጀመረ ዝገለፁ ኣይተ ግርማይ እቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ዘሎ ስራሕቲ ተኸላ ዓንድታት ኤለትሪክ’ውን 90 ሚኢታዊ ተኸላ ኮንክሪት ፓሎታት ከምዝተወገነን እቲ ዝተረፈ ስራሕ ብፅሬት ብምውጋን ተገልገልቲ ዘጋጥምሞ ንዘሎ ምቑርራፅ ሓይሊ መብራህቲ ንምንካይ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *