ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ተልእክኡ ከናዋሕ ተሓቲቱ።

03 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብ ዓለምና ኣዝየን ፅልዋ ዘለወን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ኮይኖም ንትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተልእኾ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፍፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ ዝተመስረተ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ስራሕ ዘመኑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከናውሖ ሓቲቶም ኣለዉ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ዝመፅእ ዓመት መበል 54 ኣኼባኡ ከካይድ ምኻኑ ዝተሓበረ እንትኮውን ቅድሚ እቲ ዋዕላ አምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ሂዩማን ራይት ዎች፣ ኦክስፋምን ዓለም ለከ ፋውንዴሽን ሰላም ሓዊሱ 63 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ከምዘፍለጥዎ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝኸፍአ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝቅፅል ሓደ ዓመት ብጉጅለ መርማሪ ሕቡራት ሃገራት ክምርመር ሓቶቶም ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም እኳ እንተተበፀሐ ዓመፅ ፣ ምዕጋት ሰብኣዊ ሓገዝን ከምኡ’ውን ጉዳይ ተሓታትነት ዝተፈፀሙ ገበናት ሕዚ እውን ኣብ ከቢድ ብርኪ ከምዘሎ ስክፍታኦም ገሊፆም እዮም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *