ዓለም ለኸ ሙሁራንን ሰብሞያን ትግራይ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ማእኸሉ ገይሩ ምንቅስቓስ ይገብር ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ (GSTS) ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሰ ከምዝገለፅዎ ዓለም ለኸ ሙሁራንን ሰብሞያን ትግራይ ማእኸል ገይሩ ብመፅናዕትን ምርምርን ኢሉ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘትዩ ትግራይ ካብ ዝኣተወቶ ፀገም ንምውፃእ የኽእል እዩ ዝበሎም መፍትሒታት ንምቕማጥ 13 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተወ ኣፍሊጦም።

ዓለም ለኸ ማሕበር ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተፈላለዩ ዘተታትን መፅናዕትን እናካየደ ከምዝፀንሐ ዝሓበሩ ኣባል እቲ ማሕበር ዶክተር መኣርግ ታፈረ ብወገኖም ማእኸሉ ህዝቢ ትግራይ ገይሩ ዳግም ኣብቶም ዝተበፅሑ ውፅኢታት መፅናዕቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከምዝዝቲ ተዛሪቦም።

ብሰንኪ ቁሉዕ ወራርን ድርቅን ምስ ዝተሃሰዩ ተመዛበልትን ጉድኣት ኲናትን ንምዝታይ መደብ ከምዘለዎ ዝሓበረ ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ 1ነጥቢ5 ሚልዮን ብር ሓገዝ ከምዝገብር እውን ኣፍሊጡ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *