ዓለም ለኸ መፅናዕትን ምርምርን ቋንቋታት ትግራይ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ከምዝካየድ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ዶ/ር ዳኒኤል ተኽሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝገለፅዎ እቲ ኣካዳሚ ካብ ዝጣየሽ ክሳዕ ሐዚ ኣብ ዕቤት ባህልን ታሪኽን ቋንቋ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፅናዕ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝመፀን ናይዚ መቐፀልታ ካብ 12 ክሳብ 13 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ታሽዓይ ዓለም ለኸ መፅናዕትን ምርምርን ቋንቋታት ትግራይ ከምዝሳልጥ ገሊፆም።

ኣፍቲ ዝሳለጥ ዓለምለኸ መፅናዕትን ምርምርን ቋንቋታት ትግራይ 21 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዝቐርቡን ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ምሁራትን መፅናዕታዊ ፅሑፎም ከምዘቕርቡ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብሪሆም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋታት ሳይነስን ቴክኖሎጂን ኢሉ እውን ቋንቋታት መፅናዕትን ምርምርን ንምግባር እዩ ዝበሉ ዶ/ር ዳኒኤል ቋንቋ ትግርኛ ፣ ግእዝ ፣ ሳሆን ኩናማን ድማ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ቋንቋታት ትግራይ ምኻኖም ኣብሪሆም።

ኣብ 2006 ዓ.ም ዝተጣየሽ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ 2008 ዓ.ም ድማ ሕጋዊ ስብነት ከምዝረኸበን ክሳብ ሐዚ ድማ ኣስታት 190 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዘቕረበን ዛጊድ 14 መፃሕፍቲ በቲ ኣካዳሚ ተሓቲሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ከም መወከሲ ኮይኖም የገልግሉ ከምዘልውን ኣረዲኦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *