ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮቢን ።

23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ዑደት ይገብሩ ከምዘለዉ ይግለፅ ኣሎ ።

ካብ 28 ነሓሰ ክሳብ 8 መስከረም ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ምስ ሰበስልጣን ኬንያን ኢትዮጵያን፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢጋድን ካልኦት ዓለምለኻውያን መሻርኽትን ክራኸቡ እዮም ክብል እውን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፃኒሒቶም ኣብ ቀጻሊ ኣተጋባብራ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ዘተ ከምዝገብሩ ተገሊፁ እዩ ።

።።።።።።።።።።

ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *