ዋና ዳይሬክተር ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ቀፃሊ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኾይኖም ክወዳደሩ ከምዘይክእሉ ገሊፆም።

04 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ቢዝነስ ታይምስ /The Business times/

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ዘ ቢዝነስ ታይምስ ዝተብሃለ ድሕረ ገፅ ከምዘገለፆ እንተኾይኑ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኒውዮርክ ቀፃሊ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንምዃን ጎስጓስ ከምዘይገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ክሳብ ሕዚ ጓል ኣንስተይቲ ዋና ፀሓፊት ዘይምህላዋ ዘሕፍር ምዃኑ ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ስለዚ ድማ ሐዚ ነቲ ተታሒዙ ዘሎ ቦታ ጓል ኣንስተይቲ ተትምደበሉ ዝሓሸ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም እዩም ክብል ዘ ቢዝነስ ታይምስ ፀብፂቡ እዩ ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ብተወፋይነት ይመርሕዎ ከምዘለዉን ምስ ስድራ ዝያዳ ግዜ ምሕላፍ ድማ ኣድላይ ከም ዝኾነ ጠቒሶም እዮም ።

።።።።።።።።።።

ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *