ኮምፕረሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ተቛሪፁ ንዝፀንሐ ኣገልግሎት ሕክምና ልቢ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኮምፕረሄንሲቭ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ኣብ ክልልና ዝተወለዐ ቁሉዕ ወራር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ሕክምና ልቢ ( Cardiac Catheterization) ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እዚ ጀሚሩ ዘሎ ማሽን ኣብ ልቢ ንዝተዓፀዉ ሰራውር ደም ንምእላይ ዘኽእል ማሽን ምዃኑ ዝገለፀ ሆስፒታል ዓይደር፣ እዚ መሳርሒ ናብ ግልጋሎት ንኽበቅዕ ልዑል ሓገዝን ፃዕርን ንዝገበሩ ኩሎም ኣካላት ኣመስጊኑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *