ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ሓደሽቲ ሰብ ሞያ ምፅራይ ሓደጋ ትራፊክ መንገዲ ኣመሪቑ።

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንሓደጋ ትራፊክ መንገዲ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምዝባዕ ፍትሒ ንምክልኻል ኣርባዓን ሰለስተን ሓደሽቲ ሰብ ሞያ ምፅራይ ሓደጋ ትራፊክ መንገዲ ሎሚ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ሞያ ኣብ ባይታ የጋጥም ዘሎ ክፍተት ብምፅናዕ እቲ ኮሚሽን መብዛሕትኦም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ሞያ ፖሊስነት ካብ ዝፀንሑ ኣባላቱ ብምምልማል ንክልተ ሰሙናት ኣብቲ ሞያ ዘድሃበ ተግባራዊ ስልጠና ከምዝተውሃቦም ዳይሬክተር ዳይሮክተሬት ድሕንነት ትራፊክ መንገድን ምፅራይ ሓደጋን ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኮማንደር ብርሃነ መስቀል በየነ ገሊፆም ክብል ርክብ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *