“ካብ 115 ሽሕ ነባሪ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ እቲ 95 ሽሕ አብ ከቢድን ዝኸፈአን ደረጃ ጥሜት ወዲቑ ይርከብ።” – ምምሕዳር እታ ወረዳ።

ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ አይተ ሓጎስ ሃደራ ንድወት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ካብ ጠቕላላ 115 ሽሕ ነባሪ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ እቲ 95 ሽሕ ህዝቢ አብ ከቢድን ዝኸፈእ ደረጃን ጥሜት ወዲቑ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።

ብሰንኪ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ዛጊድ ህይወት 83 ወገናት ከምዝሓለፈን ንኣለሻ መግቢ ንመረበቱ ገዲፍ ዝተመዛበለ ቁፅሪ ህዝቢ 10 ሽሕ ከምዝበፅሐ ወሲኾም ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *