ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሰንኪ ሓይልታት ወረርቲ ኣብ ሞኾኒ ኣላጀን ማይጨውን ተዓቚበን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ብተግባር ዝተደገፈ ኢደ ጥበባዊ ሞያዊ ስልጠና ይወሃበን ከምዘሎ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ደቡብ ኣፍሊጣ።

ኣዶ መንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ሰርካለም ማረጌ ንዕላዊ ገፅ ማደኣት ኣብ ዝሃበኦ ቃል ከምዝገለፅኦ እተን ካብ ወረዳታት ኣላማጣ ፣ ራያ ኣላማጣ ፣ ራያ ዓዘቦ ፣ ራያ ጨርጨርን ካልኦትን ከባቢታት ዝተመዛበላ 1,200 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሞኾኒ ፣ ኣላጀን ማይጨውን ዝተፈላለዩ ሞያዊ ኢደ ጥበብ ስልጠናታት ይወስዳ ከምዘለዋ ሓቢረን።

ንቲ ስልጠና ዘድሊ ወፃኢ ዝሸፈና ማሕበር ፍቕሪ ደናግል ከምዝኾና ዝሓበራ ወይዘሮ ሰርካለም እተን ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኢደ ጥበበን ንዝሰርሐኦ ሸይጠን ይጥቀማ ከምዘለዋን ንሓዋሩ ሰብ ሞያ ኮይነን ንኽወፃን ኣብ ስደት ኣብ ዘይተደለየ ጭንቀት ካብ ዝወድቃ እቲ ስልጠና ሓጋዚ ከምዝኾነን ኣረዲአን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *