ካብ ሞንጎ ንፈተና ዝቐረቡ 10,257 ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰራሕተኛታት ከምዝወደቑ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ከም ኣገላልፃ እቲ ምምሕዳር ንፈተና ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ 10,257 ሰራሕተኛታት መንግስቲ እታ ከተማ እቶም 5,095 ጥራይ ከምዝሓለፉን እቶም ዝተረፉ 5,162 ከምዝወደቑን ዕላዊ ገይሩ።

ካብ ሞንጎ ኣብ ሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩን ንፈተና ዝቐረቡን 4,213 እቶም 1,422 ጥራይ ከምዝሓለፉን እዚ ብቐመር ቁፅሪ ሚእታዊ እንትግበጥ እቶም 34% ጥራይ ክሓልፉ ከለው እቶም 66% ሰብ መዚ ስራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝወደቑን ማዕከናት ዜና ፌደራል ንመግለፂ ውፅኢት ምምሕዳር እታ ከተማ ብምፅራሕ ፀብፂበን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *