“ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ወሃቢ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ህዝቢ ብመንፅር ዝፀዓንኦ መጠን ትርፊ ሰብ ንሓደ ብሕሳብ 200 ብር ኽቕፃዓ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ።” ቢሮ መጓዓዝያን መራኸብን ክልል ትግራይ።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ካብን ናብን ወሃቢ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ህዝቢ ታክስን ባጃጅን መስመር ኣብ ዘነጥፋ ኩለን ካብ ዝተፈቐደለን መጠን በዝሒ ተሳፋራይ ፅዒነን ዝተረኸባ ብመንፅር ዝፀዓንኦ መጠን ትርፊ ሰብ ንሓደ ብሕሳብ 200 ብር ፤ ካብ ስሩዕ መቐመጢ ወንበር ኣብ ላዕሊ ፅዒነን ንዝተረኸባ ድማ ብነፍስ ወከፍ ናይቲ ተሰቒሉ ናይ ዝተረኸበ መጠን ሰብ ብሕሳብ ሓደ ሽሕ ብር ኽቕፃዓ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብኽታም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣደጊፍ ከምዝፀደቐ ምክትል ሓላፊት ቢሮ መጎዓዝያን መራኸብን ትግራይ ወ/ሮ ራሄል ሃይለ ሐዚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ሓቢረን።

እቲ ካብ ሱሩዕ መቐመጢ ወንበር ትርፊ ኮይኑ ተሳፊሩ ዝተረኸበ ሰብ ድማ ኣፍታ ዝተትሓዘላ ቦታ ክወርድ ከምዝግበር ዝሓበራ ወይዘሮ ራሄል ሃይለ እዚ ሓድሽ መምርሒ ካብ ሎምዓንቲ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ከምዝወዓለን እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ምንካይ ሓደጋ ትራፊክ ልዑል ግደ ከምዝህልዎን ኣብሪሀን።

#ጋዜጠኛ ሜሮን ኣባዲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *