“ኩለመዳያዊ ፀገማትና ዝፍታሕ ውሽጣዊ ዓቅምታትና ብምጉልባት ግልፅን ቁኑዑን ዝኮነ መሪሕነት ብምፍጣር’ዩ!” – ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ።

23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ሎሚ ረፋድ ኣባላት ቤት ምኽርን ኣመራርሓን ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዞባ መቐለ ኣብ ዓመተ 2016 ዓ.ም. ከሰላስሎም ንዝሓዞም መደባት ኣድሂቡ ይዝትየሎም ኣብ ዘሎ መድረኽ ተረኺቦም ኣብዘስምዕዎ መደረ ኩለመዳያዊ ፀገማትና ዝፍታሕ ውሽጣዊ ዓቅምታትና ብምጉልባት ግልፅን ቁኑዑን ዝኮነ መሪሕነት ብምፍጣር’ዩ ኢሎም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ግልፂ ዝኾነ ታሪክ እናሰረሐት፣ግልፂ ዝኮነ ሕቶ ማሕበረሰብ እናመለሰት ዝመፀት ማሕበር እያ ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጢሙና ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብናይ ውሽጣዊ ዓቅምታትና ግልፅን ቁኑዑን ዝኾነ ኣመራርሓ ብምፍጣር ንዝሓዘቶም ውጥን መደባት ዓመተ 2016 ከተዐውት ከምዝግባእ ሓቢሮም።

#ጋዜጠኛ ሸዊት መሉኣለም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *