ከተማ ኣኽሱም ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራር ብጅምላ ንዝተረሸኑ ደቃ ንስለ ዝኽሮም ጥዋፍ ብምብራህ ዘኪራ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ዝተፈፀመ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ናይ ዝተፈፀመሉ ዝኽሪ ሳልሳይ ዓመት ግዳያት ጨፍጫፍ ኣኽሱም ጥዋፍ ብምብራህ ዘኪሮም ።

19 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ድሮ ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣክሱም፣ ኣብ ታሪክ ትግራይን ትግራዋይነትን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ንፁህ ህዝቢ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ጠላዕ ቐትሪ ብስርዓት ህግደፍ ዝተጨፍጨፈሉ ዕለት ስለዝነበረ ንስለ እቶም ዝወደቑ’ዩ ሎሚ ስነስርዓት ምብራህ ጥዋፍ ተኻይዱ ዘሎ።

እቲ ስነስርዓት ምብራህ ጥዋፍ ‘ኣኽሱም ፍትሒ ትጠልብ !! ትግራይ ፍትሒ ትጠልብ ! ‘ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ’ዩ ሎሚ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽሪ ምብራህ ጥዋፍ ተኻይዱ ዘሎ ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *