ኤርትራ – ነፋሪት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ብክሊ ኣየራ ክትሓልፍ ምኽልካላ ስዒቡ ብረቡዕ 24 ጥሪ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ ፅዒና ናብ ጅቡቲ ኣቕኒዓ ዝነበረት ነፋሪት ናብ ስዑዲ ዓረብ ክትምለስ ከምዝተገደደት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ

ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዑደተን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብጅቡቲ ክጅምራ ዝጓዓዛላ ዝነበረት ነፋሪት ብስርዓት ህግደፍ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ፍቓድ ስለዘይረኸበት መገዳ ኣቋሪፃ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክትከይድ ከምዝተገደደት ተፈሊጡ።

ባርቦክ ኣብ ሱዳን ንዝካየድ ዘሎ ኲናትን ድሕነት መስመር ንግዲ ቀይሕ ባሕርን ብዝምልከት ውጥን ሕብረት ኣውሮፖ ንምግላፅን ንምእማንን ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት ንምጅማር ዝተጀመረ ጉዕዞ ከምዝነበረ እቲ ማዕከን ዜና ገሊፁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ

ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ እቲ ዘይተሓሰበ ኵነታት መርኣያ ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋእ እዩ፤ እዚ ማለት ሃገራት እቲ ዞባ ሱዳንን የመንን ኣብ ኲናት ኣለዋ ከም ልብኻ ክትንቀሳቐሰለን ዝከኣል ኣይኰነን ኢለን።

ክሊ ኣየር ሱዳንን የመንን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምዕፃዉ እታ ነፋሪት ብዘይካ ክሊ ኣየር ኤርትራ ካልእ ኣማራፂ ከምዘይነበራን ንዚ ንምግባር ዋላ’ኳ ኵሉ ፃዕርታት እንተገበርና ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክንሓልፍ ፍቓድ ኣይረኸብናን ክብል ድማ ፓይለት እታ ነፋሪት ገሊፁ።

ኣብ መስርሕ በረራ ፍቓድ ክወሃብ ልሙድ እኳ እንተኾነ ካብ ኤርትራ ግን ፍቓድ ክንረክብ ኣይከኣልናን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ድማ ንዚ ክሕግዘና ኣይከኣለን ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብዚ መዳይ ኣድሂቡ ዝበሎ ነገር የለን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *