ኤርትራ መንግስታዊ ስፖንሰር ግብረ ራዕዲ እያ።

01 መስከረም 2015 ዓ/ም  

ማይክል ሩቢን

**********

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) እቲ ኣብ ጉዳይ ውልቀ መላኪ ስርዓት መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣመልኪቱ ብ ማይክል ሩቢን ዝተፀሓፈ ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ከምዘመላከቶ ቅድሚ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ምምሕዳር ቡሽ ንኤርትራ ኣብ ዝርዝር መወልቲ ግብረ ራዕዲ መንግስታዊ መዝገብ ከእትዋ ሓሲቡ ነይሩ ክብሉ ዝገለፁ ማይክል ሩቢን ካብዚ ብተወሳኪ እውን እታ መዓረ መዓረ ሰሜን ኮርያ ዝተመደበት ኤርትራ ኣብ ዓለም ኣዝያ ምልካዊት ሃገር ምካና ድማ ገሊፆም እዮም ።

ማይክል ሩቢን ኣብ ፅሕፎም ወሲኮም ከምዝበልዎ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ፣ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ምድጋፋ ቀፂላ ኣላ ምህላዋን ራይስ ሓሲብዎ ዝነበረ ምንቅስቃስ ተግባራዊ እንተዝገብር ነይሩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሰላም ጐረባብቲ ሃገራት ንምዝራግ ክሳብ ክንድዚ ድፍረት ኣይምተሰምዖን ነይሩ ክብሉ ኣመላኪቶም እዮም ።

ናይዚ ሰላም ምዝራግ መቀፀልታ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ተጋሩ ብዝፈፀሞ ግፍዒ መንግስቲ ኣመሪካ ንሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፊሊፖስ ወልደዮውሃንስ እገዳ ኣቐሚጡሉ ምንባሩ ብምዝክካር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እውን እንተኮነ ካብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝእከብ ገንዘብ ዲያስፖራ ጀሚሩ ብዝፍፀሞም በደላት ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ይገብር ምህላዉ ማይክል ሩቢን ሓቢሮም ።

ስለዚ ድማ ይብሉ ማይክል ሩቢን መንግሰቲ ውልቀ መላኪ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝክዶ ዘሎ ሰላም ናይ ምዝራግ ስራሕትን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ብዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ኮነ ንፈጠርቲ ራዕዲ ብዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ ኤርትራ መንግስታዊ ስፖንሰር ግብረ ራዕዲ ምካና ይገልፁ ።

*********

#ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *