ኣገልግሎት ኔትዎርክ ራብዓይ ወለዶ(4G) ኣብ ከተማታት ትግራይ ስሩዕ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ።

ኣገልግሎት ኔትዎርክ ራብዓይ ወለዶ(4G) ኣብ ከተማታት ትግራይ መቐለ ፣ ዓዲግረት ፣ ዓድዋ፣ ኣኽሱም ፣ ሽረን ውቕሮን ስሩዕ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣተሓባባሪ ኢትዮ ቴለኮም ርጅን ሰሜን ኣይተ ሙሉ ወልደስላሰ አፍሊጦም።

እዚ ምጅማር ዝርገሐ ኔትዎርክ 4G ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ፀገም ዳታ ኔትዎርክ ከምዝፈትሕ ዝሓበሩ ኣይተ ሙሉ ወልደስላሰ ተጠቀምቲ 2Gን 3Gን ሲምካርድ ናብ 4G ሲም ካርድ ናብ ማእኸላት ቴለኮም ብምኻድ ብነፃ ምቕያር ከምዘድሊ ወሲኾም ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *