ኣብ ገበን ክትራን ተዋፊሮም ብረሃፅ ሰብ ንዝተጠረየ ንብረትን ገንዘብን ንፀላም ጉልባብ ተጠቒሞም ኽጉሕሉ ዝተረኸቡ ቀቢሓት ፤ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 4 ዓመት ኽቕፅዑ ቤት ፍርዲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ፈሪዱ።

ዜናዊ ገ/ስላሴ ገ/መድህንን ያሬድ ገ/ኪዳን ገ/ሚካኤልን ዝተብሃሉ ኣብ ገበን ክትራን ተላፊኖም ብዕለት 4 ጥሪ 2016 ዓ.ም ሰዓት 1:00 ናይ ምሸት አብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ አይንብርከኽን ንተበደልቲ አይተ ገ/ስላሴ ሓዱሽን ካልእ መኻይዶምን አብ መንገዲ ፀኒሖም ብምኽታር 3ተ ሞባይልን 7,500 ጥረ ገንዘብን ምኽታሮም ብዝቐረበሎም መርትዖ ምስክርነት ዘረጋገፀ ቤት ፍርዲ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ነፍስወከፎም ብ4ተ ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ኽቕፅዑ ፈሪዱ።

ህዝቢ ንዞም ኣብ ኣፀያፊ ተግባር ጉሕለት ንዝተዋፈሩ ናብ መስመሮም ንምእታው ምትሕግጋዙ ከዕዝዝ ፖሊስ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ፀዊዑ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *