ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ብዓል ሓድሽ ዓመት ኣኽቢሮም።

02 መስከረም 2016 ዓ/ም  

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ በዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ተጋሩ መገዛ መረበቶም ዓዶም ገዲፎም ናብ እግሮም ዝመረሖም ህይወቶም ንምድሓን ተሰዲዶምን ተመዛቢሎምን እዮም፤ እዚ ከይኣክል ሃፍትን ንብረቶን እውን በዞም ዑጡቃት ሓይልታት ክጋሓልን ክዓኑን ፣ ንፁሃን ብጅምላ ክርሸኑን ደቂ ኣንስትዮ ብዕስለ ክድፈራን ተገይሩ እዩ።

ካብቶም ተጋሩ ሰደተኛታት ኣዕቂቦምለን ዝርከባ ሃገራት ጅቡቲ ሓንቲ እንትኮውን በዚ መሰረት ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ዝከፈአ ሰቃይን ሕሱም ናብራን ዋለካ የተኣናግዱ እንተሃለዉ ብዓል ሓድሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ኣክቢሮምዎ ዊዖሎም ኣለዉ ።

ዋላ እኳ ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢ/ያን ዝተካየደ ስምምዕነት ዘተ ሰላም ልዕሊ ዓሰርተ ኣዋርሕ ዝሓለፎ እንተኾነ ካብ ትግራይ ዝተሰደዱ ወገናት ግና ሐዚ እውን ኣብ መዓስከራት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት /UNHCR/ ኣብ ጅቡቲ ከምዝርከቡ ተገሊፁ እዩ ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ተጋሩ ክሳብ ሕዚ ኣብዘን ግዝያውያን መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ይነብሩ ምህላዎምን ዑጡቃት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ብሓይሊ ሐዚዞምዎ ካብ ዘለዉ መሬት ትግራይ ብህፁፅ ክስሕቡ ፤ ኩሎም ስደተኛታትን ተመዛበልትን ድማ ናብ ገዝኦም ክምለሱን ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

***********

#104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *