“ኣብ ዳግመ ህንፀት ብሰንኪ እቲ ዝኻየደ ውግእ ንዘዓነዋ ትካላት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ፣ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ክሰርሕ’የ።” – ትካል UNOPS ።

04 መስከረም 2016 ዓ/ም

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምርግጋፅ ሰላም ፤ ልምዓትን ሰብ ኣዊ ሓገዝን ዝነጥፍ UNOPS ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ንዝርከቡ ብልፍንታዉያን ወረርቲ ንዝዓንው ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲን ጣብያ ጥዕናን ዶንጎላት ዳግም ሃኒፁ ኣረኪቡ።

UNOPS ካብ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ንተን ኣገልግሎት ውሃብቲ ትካላት ዳግም ሃኒፁ ከምዘረከበ ተሓቢሩ።

ወ/ሮ ወርቅነሽ መኮነን ሓላፊት UNOPS ጨንፈር ሃገራት ጁቡቲን ኢትዮጵያን ኣብቲ ስነስርዓት ምርኽኻብን ምረቓን ተረኺበን ኣብ ዘስመዖኦ ዘረባ ከምዝገለፀኦ እዚ ዳግመ ህንፀት ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ሓደ ኢለን ከምዝጀመራን ንቐፃሊ’ውን ንዳግመ ህንፀት ትካላት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ፣ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ብቐፃልነት ከምዝሰርሕ ሓቢረን ።

ኣፍቲ ስነስርዓት ምርኽኻብን ምረቓን እተን ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝተረኸቡ ሓለፍቲ ቢሮታት ጥዕናን ትምህርትን ክልል ትግራይ ዝኾኑ ዶ/ር ኣማንኤል ሃይለን ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽን ኣብቲ ስነስርዓት ምርኽኻብን ምረቓን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝዓነዋ ትካላትና ኣብ ምህናፅ ንሓገዝ ገበርቲ ሰናይ ጥራይ ከይተፀበና ኩሉ ትግራዋይ አእጃሙ ክፍፅም ፀዊዖም ክብል ኤመሓት ሐዚ ኣማስዩ ኣብ ዝፈነዎ ዜና ፀብፂቡ።

# ሓለፎም ንርአ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *