ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ዓዲ ኣርባዕተ ንሰብ ጨውዩ ካብ ስድራቤት ጭውይ 40 ሽሕ ክፍሊት ዝሓተተ ገበነኛ ፅኑዕ ማእሰርቲ 15 ዓመትን ገንዘብን ተፈሪዱ።

ፖሊስ ዞባ ማእኸል ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ከምዝሓበሮ ነባርነቱ ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ዓዲ ኣርባዕተ ጣብያ ምሕቋን ቁሸት መረብ ዝኾነ ኣይተ ኤፍሬም ገብረዋህድ መኮነን ዝተብሃለ ገበነኛ ንኣይተ ዮናስ ዝተብሃለ ተበዳሊ ብዕለት 9 ሕዳር ጨውዩ ንኣስታት 5 መዓልቲ ኣብ ገዛ ብምዕፃውን ናብ ስድራ ቤት ግዳይ ስልኪ ብምድዋል 40 ሽሕ ክኸፍሉ እንተዘየሊኡ ግን…ኢሉ ምሕናዩን ናብ ካልኦት ደለልቲ ብ100 ሽሕ ብር ተሰማሚዑ ኣሕሊፉ ክህብ ክብል ኢድ ብኢድ ምትሓዙ ስዒቡ ብዓቃቢ ሕጊ ንዝቐረበሉ ክስን መርትዖን ዘረጋገፀ ቤት ፍርዲ ብዕለት 12 ሕዳር ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 15 ዓመትን 20 ሽሕ ብርን ኽቕፃዕ ፈሪድዎ’ሎ።

ህዝቢ ንዚ ገበነኛ ኣብ ምተሓዝ ዘርአዮ ምትሕብባር ዘመስገነ ፖሊስ ኣብ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ዘይተለመደ ደረቕ ገበን ኣብ ልዕሊ ዘሰጉሙ ፋሉላት ህዝቢ ምስ ፖሊስ ሓቢሩ ኽቃለሶም ፖሊስ እቲ ዞባ ፀዊዑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *