“ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 5 ሕዳር 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሰላሰል ቅድድም ጉያ ማራቶን ታሪኽ ንምስራሕ ይዳሎ’ለኹ።” – ለተሰንበት ግደይ።

26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ትግራወይቲ አትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ሃገረ ሑቡራት ኣመሪካ – ኒዉዮርክ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ 5 ሕዳር 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ዝሰላሰል ቅድድም ጉያ ማራቶን ከምትሳተፍ ኣፍሊጣ።

ወናኒት ኽብርታት ሪከርድ 10 ሽሕ ሜትሮን ፍርቂ ማራቶንን ዝኾነት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገረ ስፔን ቫሌንሽያ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ጉያ ንክብረወሰን ሰዓት እቲ ርሕቐት ብምምሕያሽ ምዕዋታ ስዒቡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሰላሰል ማራቶን ታሪኽ ንምስራሕ መደብ ሒዛ ቅድመ ምድላው ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።

ተዓዋቲት ክልተ ጊዜ ሻምፕዮን ዓለምና ዝኾነት ትግራወይቲ ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሰላሰል ቅድድም ጉያ ጎደና ከምትሳተፍ ተፈሊጡ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *