ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ኣስታት 1400 ተጋሩ ካብ ወረዳታት ፀለምቲ፣ላዕላይ ፀለምትን ከተማ ማይፀብርን ተመዛቢሎም ናብ ከተማ እንዳባጉና ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ካብ ዕለት 13 ክሳብ ዕለት 17 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ካብ ሰለስቲአን ወረዳታት ናብ ከተማ እንዳባጉና ካብ ዝኣተዉ 1398 ወገናት እቶም 771 ነበርቲ እቶም ወረዳታት፣ዝተረፉ 627 ወገናት ድማ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያታት ማይ ተኽሊት፣ፃዕዳ ቐርኒ፣ከተማ ማይፀብርን ከባቢኣን ዝፀንሑ ወገናት ከምዝኾኑ ኣተሓባባሪ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ እንዳባጉና ኣይተ ሙሉጌታ ንጉሰ ገሊፆም።

ሰራዊት ፌዴራል ኣብ ከተማ ማይፀብሪ ንዕጡቓት ኣምሓራ ዕጥቂ ከፍትሕ ብምጅማሩ ብርክት ዝበሉ ምልሻታት፣ ኣባላት ፋኖን ምስ ዕጥቆም ናብ ገጠራት ወረዳታት ፀለምትን ላዕላይ ፀለምትን ከምዝተበታተኑ ዝሓበሩ ኣይተ ሙሉጌታ እዚኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግፍዕታት ይፍፅሙ ብምህላዎም ህዝብና ዓርሱ ከድሕን ክመዛበል ከምዝተገደደ ኣረዲኦም።

እዞም ንምምዝባል ዝተቓልዑ ወገናት ካብ ዝተኸደንወን ኣጭርቕቲ ወፃኢ ኻሊእ ዝሓዙዎ ነገር ብዘይምህላዉ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም እቶም ኣተሓባባሪ ተዛሪቦም።

ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣መንግስቲ ፌዴራል ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ትሕቲ ፀላእቲ ኣብ ዝርከባ ከባብታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ንምባልን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ በዓል ዋንኡ ንምምላስን ልዑል ትኹረት ሂቦም ክሰርሑሉ ይግባእ ኢሎም ኣለዉ እቶም ኣተሓባባሪ።

# DW

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *