ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ኣጉላዕ ብልዕሊ 22 ሚልዮን ብር፣ ስድራ ስውኣትን ዝተሰናበቱ ተጋደልትን ዘሳተፈ ስራሕቲ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ ይሳለጥ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ደኣንትን ማኑፋክቸሪንግን ወይዘሮ ሰላም ግደይ ንሓበሬታን ርክብን እቲ ወረዳ ከምዝበለኦ እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ 95 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 175 ዝተሰናበቱ ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን ኣለዉ።

እቲ ኣብ 7 ናቑጣታት ከተማ ኣጉላዕ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕቲ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ ኣብ ዳግመ ሕውየት ቁጠባ እታ ከተማን ምፍጣር ስራሕ ዕድልን ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ እተን መተሓባበሪት ኣረዲአን ንሓበሬታን ርክብ እቲ ወረዳ ተወኪሱ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ገሊፁ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *