ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ብልዕሊ 320 ሽሕ ብር ንሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርገሐን ፅገናን መስመር ማይ ተሳሊጡ።

ኣፍቲ ወረዳ ኣተሓባበሪ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ወረዳን ዋን ዋሽ ዝተብሃለ ትካል ገባሪሰናይ ፎካል ፐርሰንን መምህር ገብረሚካኤል ግደይ ከምዝገለፅዎ ኣብ ጣብያ ድብድቦ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ጣብያ መዝብር 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ፍትዊ ወላይን ቀዳመይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መዝብርን ካብ ዋን ዋሽ ብዝተረኸበ 320 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝርገሐን ፅገናን መስመር ማይ ከምዝተሳለጠ ሓቢሮም።

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ካብ ዝርከባ 38 ኣብያተ ትምህርቲ እተን 21 ኣብያተ ትምህርቲ ማይ ከም ዘይብለን ዝሓበሩ መምህር ገብረሚካኤል ፣ህፃናት ብዘይ ማይ ክመሃሩ ስለ ዘይኽእሉ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፣ ገበርቲ ሰናይ፣ ፈተውትን ተወለድቲ ዓድን ኣብ ህፃውንቲ ዘለው ፀገማት ብምግንዛብ ዝከኣሎም ሓገዝ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ።

Boost post

2929

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *