ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዝወደቐ መብረቕ ንሰለስተ ሰባትን ሸውዓተ እንስሳ ዘቤትን ከምዝቐተለ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ቀላቕል ዝወደቐ መብረቕ 18፣23!47 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለ ኣማሓዳሪ ታ ጣብያ ኣይተ ብርሃነ ገ/መድህን ገሊፆም።

እቲ ዝወደቐ መብረቕ ካብቶም ሰባት ብተወሳኺ ንሰለስተ ከፍትን ኽልተ ኣጣልን ‘ውን ከምዝቐተለ ኣይተ ብርሃነ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ወረዳ ዛና ጣብያ ዋልካ ዝወደቐ መብረቕ ‘ውን ንሓንቲ ጓል 15 ዓመት ሰገን ከምዝቐተለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ‘ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *