ኣብ ክልል ትግራይ ክፍሊት ውዝፍ ደምወዝ ጡረታ 17 ኣዋርሕ ንምኽፋል 1.3 ቢልዮን ብር ከምዝለቐቐ መንግስቲ ፌደራል ኣፍሊጡ።

እቲ ሐዚ ተለቒቑ ዘሎ 1.3 ቢልዮን ብር ናይቶም 90 ሚኢታዊ ሰብ ጥሮታ ኮይኑ ብመረዳእታ ሰነድ ከምዝኾን እቲ በጀት ሎሚ ከምዝተለቐቐ ተሓቢሩ’ሎ።

ናይቶም ዕዳ ዘለዎም 65,873 ጡረተኛታት ተፃሪዩ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ን17 ኣዋርሕ ንኽፍሊት 1.3 ቢልዮን ብር ከምዝተለቐቐ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳር ማሕበራዊ ድሕንነት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዳባ እርያ ገሊፆም።

ካብ ጠቕላላ ጡረተኛታት ትግራይ እቶም 5,000 ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ስርዓት ጡረታ ከምዝኣተዉን ዝግበኦም ክፍሊቶም ካብ ምውሳድ ደው ከምዘይበሉን ሕዚ’ውን ይኽፈሉ ከምዘለዉን ሓቢሮም’ለው ከም ፀብፃብ ማዕከናት ዜና ፌደራል።

Boost post

All reactions:

132132

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *